Chosen Generation
Contactgegevens, kaart en routebeschrijving, contactformulier, openingstijden, diensten, beoordelingen, foto's, video's en aankondigingen van Chosen Generation, Religieuze organisatie, Utrecht.
ዳዊት 36:9
ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፣ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ ኣሎና።
ምላሽ ናይ ሓደ ፓስቶር!
" ቸርች ተደሊኻ፡ ብዙሓት ኣብ ከባቢኻ ክሕብረካ ይኽእልየ፡ ጉስነተይ ተደሊኻ ግን ኣብቲ ዘለኽዎ ክትመጽእ ኣሎካ"
ከምቲ ቸርች ምብዝሑ፡ ዋሕዲ ሕያዎት ሓቀኛታት ጓሶትውን ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ኣሎ።
ምኽንያቱ. . .
ገለ ስሞም ከጽውዑ፡ ሰማይ ዝጥንቁር ስነሓሳብ ክሰርሑ ይውዕሉለዉ።
ገሊኦም ውን ጥቅሚ ርእሶም ኣምሪሖም ዝኸዱ ኣይስኣኑን ይኾኑ
ፊሊጲ 2:21
ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን።
" ኩላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም"
ብዙሓት ቸርች ኣብ ከባቢኻ ክህልዋ ይኽእላየን፡ ግን መንዩቲ እሙን ጓሳ በል። ዝምግብ ጓሳ፡ ዝሕሉ ጋሳ፡ እሙን ሕያዋይ ቅኑዕ ጓሳ በል።
ናይ ሓቂ ጓሳ
ካብ እግዚኣብሄር ይምሃር
-------------------------------
ዳዊት 23:1-3
እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣
ዚጐድለኒ የብለይን።
ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣
ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።
ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣
ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።
ኢሳይያስ 40 10-11
እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ።
ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።
ካብ ክርስቶስ ይምሃር
---------------------------
ዮሃንስ 10
11: እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።
14: ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን።
15: ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ።
ኢሳይያስ!
ኣዋጅ ሎሚ!
ካብ ድምጺ ብዙሕ ማዕበላት ፡ ድምጺ ሰማይ ይብርትዕ
ዳዊት 93፡4
"ካብ ድምጺ ብዙሕ ማያት፣ ካብ ስልጡን ማዕበላት ባሕሪ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ይስልጥን።"
ናይ ጥፍኣት ማዕበላት ምስ ድምጾም እኳ ተመጹ፡ ካብ ዘዕገርግሩኻ ድምጽታት ኩሎም፡ ሰላምካ ክዘርጉ ካብ ዝልዓሉኻ ድምጽታት ፡ ኣብ እእምሮኻ ካብ ዝርብሽ ድምጺ፥ ብዙሕ ናይ ጸበባ ማዕበላት. . . ድምጺ እግዚኣብሄር ይስልጥን።
ኣዋጅ . . . እግዚኣብሄር... ስልጡንዩ፡
ብሩኻት ኢኹም!
ዳዊት 34:18
እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።
ዳዊት 51:17
መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።
ሓቁ ዋልታን ጸግዕንዩ!
----------------------
91- ዳዊት
2: ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን
ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ ኣሎኹ።
3: ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣
ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣
4: ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣
ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣
ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ።
5: ካብ ስምባድ ለይቲ፣
ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣
6: ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣
ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ።
Klik hier om uitgelicht te worden.
Website
Adres
Utrecht