Tutor Seifu

Tutor Seifu

Share

Nomatter how long the night is,
The day will clearly come!! every pain gives alesson and every lesson

Photos from Tutor Seifu's post 02/02/2024
Photos from Tutor Seifu's post 02/02/2024

ኣብዚ ኸባቢ ትዝታ ዘለኩም ትህልዉ ዶ?
እስቲ ትዝታኩም ኣካፍልና??😂😂😀😀

31/12/2023

#ኣመክንዮ ክ "Aወደ B" ይወስደሃል ምናብ ጊን የፈለክበት ያደርሳሃል ስለዚህ በስሜትህ በመፍጠር መሻትህ በገሃድ እንዲከሰት ወደራስህ ጥራው!!

14/07/2023

ኣባ ሰርቀብርሃን ኣብ ቦሌ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ብዝበፅሖም ምዕጋት ስዒቦ ማሕበር ቅዱስ ያሬድ ትግራይ ዘውፀኦ መግለፂ

09/06/2023

#ኣብነት ፅንዓት #ጃኒኢሬክሰን፦ኣመሪካዊት ጃኒ ኢሬክሰን ኣብ ከባቢ #17 #ዓመታ እናሓመሰት ምስ መሓዙታ እናተጫወተት እናሃለወት ዝበለፀ ደስታ ንምርካብካብ ልዕል ዝበለ ብራኸ ዘለዎ ቦታ ተወርዊራ ናብቲ መሓመሲ ቦታ እንትኣቱ ከይሓሰበቶ ናብቲ ወሰን መሓመሲ ሓሸዋ ብኣፍንጫኣ ስለዝወደቀት በቶም ኣሽዑ ዝነበሩ ሓመስቲ ሓገዝ ብቅልጡፍ ናብ ሕክምና ተወሰደት ኣብኡ ድማ ንኣስታት #1 #ዓመት ኣብቲ ሆስፒታል ምስፀነሐት በቶም ናይቲ ሆስፒታል ሓኻይም (ዶኳትር) #ካብ ክሳድኪ ንታሕቲ ዘሎ ክፍሊ ኣካላትኪ ኣይሰርሕን #ኢሎም ኣብ ገዛኣ ንክትከድ መርድእ ዝዓይነቱ ፅዋ ነገርዋ!!
ኣብዚ ኸምዚ ዓይነት ኩነታት እናሃለው #ጃኒ #ስለ እቲ ዝበፀሓ ሓደጋ ምስ ዓርካ #ብምሬት #እናዋግዑ እናሃለው ሓንቲ ካልእ ዓርካ" #ጃኒ! ልዕሊ ክሳድኪ ብጣዕሚ ቡዙሕ ነገር እ/ሔር ስለ ዘትረፈልኪ ሕሰብሉ።" #እናበለት ተበረታትዓ ነበረት!!ካብዚ ምክሪ ብምልዓል #ጃኒ #ብ #ስና #ስእሊ ምስኣል ን ፅሑፋት ምፅሓፍን ጀመረት!!ጃኒ ሓዚ ከም ዝንገር እንተኮይኑ #35 #ዝኣክሉ መፃሕፍቲ ብስና ብምፅሓፍ ንዓለም ኣበርኪቶም ።እዞም መፃሕፍቲ ብቡዙሕ ቋንቋታት ተተርጊሞም ህዝቢ ዓለም እናተጠቀመሎም ይርከብ።ጃኒ ካልኦት ኣካል ጉድኣት ንምሕጋዝ ዘቋቆመቶገባሪ ሰናይ ድርጅታ ኢትዮጳውያንን ንምሕጋዝ ብ1996ዓ/ም ናብ ሃገረ ኢ/ያ መፅኣ ነይራ።ክቡራት ኣሕዋት ካብዚ እንርድኦ ነገር እንተ ሃለወ #ኣካልና ምጉዳሉ ካብቲ ክንበፅሖ ንደሊ ባህጊ ንምብፃሕ ክኮልፈና ኸም ዘይክእል ብምእማን ኣካልና ብምጉዳሉ ምንም ከይሓሰብና ጠንኪርና ክንሰርሕ ከምዝግባእ ካብዛ ናይ ፅንዓት ኣብነት ዝኮነት #ጃኒኢሬክሰን #ተሞክሮ ንውሰድ!!
ፅሕፉ እንተፈቲኩምዎ ብዙሓት ናይ ፅንዓት ኣብነት ዝኮኑ ግለሰባት ነስዕብ ኢና!!

01/05/2023

#እንደወረደ!!
"በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።ኢለ እንተጀመርኩ ይሓይሽ ም/ቱ ኸዓ እ/ሔር ዘቀደመ ሰብ ኩሉ ግዜ ኻብ ስሚዒታዊ ዝኮነ ነገር ምክንያታዊ ብዝኮነ መንገዲ ንክጎዓዝ ስለ ዝሕግዞ።ብዝኾነ እዚ እንትፅሕፈልኻ ብስሚዒት ተደፋፊአ እንተይኾነስ ምክንያታውነት ብምድጋፍ እየ።ዝገርመካ ነገር እዚ ኩሉ ዓመታት ሓቢርና እንትንቅመጥ ብዘይካኻ ኻልእ ሰብ ዘለኒ ኣይመስለንን ነይሩ ነዚ እውን እዩ ኽዳነይ ኽዳንካ፣ክዳንካ ድማ ክዳነይ እንተተይበሃልና እስኻዕ እዛ ዕለት ዝበፃሕና።ግና እቲ ብጣዕሚ ዝገረመኒ ነገር "ኣቦታትና እንትምስሉ ለካ ብዘይ ሓደ ነገር አይኮነን።"ንፈታዊኻ ቅርሺ ኣይተለቃሓዮ"ክብሉ ይሰምዕ ነይረ ኮይኑ ግን ነዚ ኣበሃህላ ካብ ዝቃወሙ ሰባት ቁፅሪ ሓደ ዝስራዕ ኣነ እየ ነይረ እንተበልኩ ምግናን ኣይኸውንን እንተ ምንታይ ሲ "ንዝፈትወካ ሰብ ኣብ ፀገሙ እንተዘይ በፂሕኻሉ፣ፀገሙ እንተዘይ ተኻፊልካ እቲ ምፍታውካ ድኣ እንታይ ዋጋ ኣለዎ?ዝብል ዓብይ መኸራከሪ ሓሳብ እዩ ነይሩኒ።ብዝኮነ በዚ ዝተልዓለ ሓደ ነገር ወስ ከብል ስለ ዝደለኹ እየ ።ብኣጋጣሚ ናብ ሓደ ዕቋርን ልቃሕን ትካል ምስ ሓደ መሓዛይ ይከደልኩም እሞ ቢሮ እትው እንትብል ቅድሚያ ናብ ዓይንኻ ዝሰኣል "ዘየለቅሕንስያ ቀታሊ ፤ዘይምልስን ከ ኸታሪ"እትብል መሪሕ ቃል ብድምቀት ዝተፅሓፈት ጭርሖ ምስ ረኣኩ ነቲ ናይ ውሽጠይ ዝነበረ ርድኢት ስለ ዝደገፈለይ ብጣዕሚ ደስ በለኒ።እዚ ኹሉ ዓጀው ጀው ዝብል ዘለኹ ኣነን ንስኻን ክንፀባፀብ ደልየ ኸምዘይ ኾንኩ መቸም ኣንዳዕዲዕኻ ትፈልጥ ትኸውን ።ዝኾነ ኾይኑ ናብቲ ዋና ቁም ነገር ክኣቱ ትዝ ይብለካ ዶ ?ናይ ሰብዓካሬ 20,000ሓዚ እንተዘይ ኣምፂእኻ ኢሎም እንተፃብቡለይ ዘይንስካ ካልእ ሰብ ስለዘይነበረኒ ኣጨናኒቀካ ንስኻ ኣሽዑ ከምቲ ሓዚ ኣይነበርካን ዳም ዳም(ክዳ ሙጩ ክዳ ክቱ) ኢልካ 12,000ብር ስለዘምፃእኻለይ መምስተን ዝነበራኒ 8,000ናትካ ወሲኸ ስለዝኸፈልኩ ብጣዕሚ ኣመስጊነ ለካ ሰብ ምቅርራብስ ጥቅሙ እዚ እዩ እናበልኩ ኣምላኸይ ከመስግን ገይርኻኒ።ኻብ ሰብ ተለቂሕኻ ስለ ዝሃብኻኒ ግዜ ኣይወሰድኩን ናብ ስራሕ ቦታኻ መፂአ 20,000ብር ሂበካ እዚ እንትህበኻ ንስኻ ኣሽዑ ሰብዓ ካሬ ትምዝገብ ስለዝነበርካ ኸይንእሰካ መዋስክቲ እንተኮነካ ብምባል እምበር ቅርሺ ስለ ዝበዝሓኒ ኣይነበረን እዚ ቅርሺ እንትምልሰልካ ካብ ካልእ ተለቂሐ እየ ሂበካ ኮይኑ ግን ሓዚ እንታይ ተረኪቡ እዩ ድኣ እተን ናይ ባዕልኻ ቅርሺ 12,000ኣትሪፍካ እተን ዝቀረያ 8,000ዘይትምልሰለይ ?ማለት ቅርሺ ሲእንካ ኸይብል ብዝተፈላለየ መንገዲ ቅርሺ ትቅበል ከም ዘለካ ብእዝነይ ይሰምዕ ኣለኹ ብዓይነይ እውን ይርኢ ኣለኹ!!ስለዚ ናይ ሰብ ቅርሺ ተለቂሕኩም ኣብ ምምላስ ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ናይ ምባል ኣመል ዘለኩም ኹልኩም ልቃሕኩም ተሎ መሊስኩም ዝነበረኩም ፍቅሪ ኣዳብሩ።ዝምለስ ቅርሺ እንተስኢንኩም እዚ ንዓኻትኩም ኣይምልከትን ነቶም ናዳማቶም ቅርሺ ተለቂሖም ግን ዋላ እናሃለዎም ዘይምልሱ ግን ካብ ፍቅሪ ገንዘብ ፍቅሪ ሰብ እዩ ዝዓቢ እሞ ናብ ልብኹም ይምለስኩም!!

13/04/2023

ኣብ ባንኪ ወጋገን ተመዝጊብኩም ዝነበርኩም ፈተና ዕለት 18/4/2023 ምዃኑ ተፈሊጡ ስለዘሎ ቅድመ ዝግጅት ክትገብሩ ንመክር!!

09/04/2023

ተባረኩ ለቁም ነገር ብቁ።ለተቸገረ መስጠትን ከቤተሰብ የተማረ ትውልድ።

Want your school to be the top-listed School/college in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Telephone

Website

Address


Mekelle