Mekelle View
This page always provides you accurate and uptodate information!
19/05/2026
ኣብ ወርሒ ጉንበትን ሰነን መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣዪኽፈልን ብዝብል ዝተፈጠረ ርድኢት ግጉይ ምዃኑ ተነፂሩ።
ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ትግራይ፥ ኣብ ኣከፋፍላ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝጠመተ መብርሂ ሂቡ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሚኪኤለ ገብረ መድህን ንተሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ኣብ ወርሒ ጉንበትን ሰነን መሃያ የለን ብዝብል ዝተትሓዘ ርድኢት ልክዕ ዘይምዃኑ ግልፂ ገይሮም።
ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ክልቲአን ኣዋርሕ ዘይተማእኸለ ኣከፋፍላ መሃያ ንከዪህሉ ምውሳኑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሚኪኤለ እቲ ውሳነ ምኽፋል መሃያ ሲቪል ሰርቫንት ጠጠው ዘብል ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።
ካብ መንግስቲ ፌደራል ይመፅእ ዝነበረ ድጎማ ብምቁራፁ ምኽንያት መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ብውሽጣዊ ዓቕሚ እናተኸፈለ ምምፅኡ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ዘይተማእኸለ ኣከያዪዳ ብምንባሩ ግና እቲ ሓደ ረኺቡ እቲ ካሊእ ዘዪረኽበሉ ኵነታት ተፈጢሩ ምፅንሑ ገሊፆም።
ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ብምዕላም ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ዘዕረፎ ውሳነ መሰረት ውሽጣዊ ዓቕሚ ዘገናዘበን ዝተማእኸለን ምኽፋል መሃያ ከምዝህሉ ዝጠቐሱ ኣይተ ሚኪኤለ፥ ምሉእ መሃያ ዘየኽፍል ደራቲ ኩነታት እንተተፈጢሩ እውን እቲ ዝተረኸበ ዓቕሚ ንኩሉ ሰራሕተኛ ብማዕረ ሚኢታዊ ከምዝኽፈል ኣረጋጊፆም።
ኣብ ከተማታትን ወረዳታትን ዝርከብ እቶት ተማእኺሉ እንትመሓደር ምዕሩይ ኣከፋፍላ መሃያ ንክህሉ ዝሕግዝ ብምዃኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሃፍቲ ንምምእኻል ዓሊሞም ዝወርዱ መደባት መንግስቲ ብምሉእነት ንከፈፅሙ እቶም ሓላፊ ቢሮ ኣተሓሳሲቦም።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ፥ እቶት ዘደንፍዑ መንግስታዊ መደባት ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ ነቲ ዕላማ ንዝዕንቅፉ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንክቃለሱን ሃፍቲ ትግራይ ክዓቢ ዘኽእል ሓላፍነት ዝተሰከሙ ምዃኖም ፈሊጦም ክንቀሳቐሱን እቶም ሓላፊ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ልዑል ቅልውላው መነባብሮ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ፥ ፅንዓትን ብሄራዊ ስምዒትን ብምውናን ንዘጋጠሞም ሽግር ፀኒዖም ክሰግሩ እውን ኣይተ ሚኪኤለ ፀዊዖም።
08/05/2026
ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ዝተፈጠረ ኩነታት ሰዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ሳዕቤን ጉድኣትን ንምትራፍ፣ እቲ ሽግር ብናይ ተጋሩ ልዝብን ሓበራዊ ምርድዳእን ክፍታሕ ንዝቐረበ ፃውዒት ንጎኒ ብምግዳፍ፣ ተመሪፀ እየ ዝብል ኣካል ሎሚ ሚያዝያ 30/2018 ዓ/ም ብናይ ፀጥታ ኣካላት ሓለዋ ተገይርሎም፣ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ካቢኔ ኣኼባ ጀሚሮም ኣለው። እዙይ ከዓ ናይ ቀፃሊ ሓደገኛ መንገዲ ዝተጀመረሉ ዕለት ስለዝኾነ፣ በዙይ ምኽንያት ንዝስዕብ ሳዕቤን ተሓታቲ ፣ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ብጉልበት ዝሕዝ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ክገልፅ ይደሊ።
ታደሰ ወረደ (ሌጀ)
ፕረዚደንንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ሚያዝያ 30/2018
መቐለ
ጀት ኣብ ሰማይ መቐለ
5:37 ትሕንብ ኣላ
08/05/2026
ካቢኔ መንግስቲ ትግራይ ፈላማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ ኣካይዱ።
ሚያዝያ 27/8/18 ዓ.ም ብዕሊ ስርሑ ዝጀመረ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚኪኤል ፕሬዚደንት መንግስቲ ትግራይ ጌሩ ድሕሪ ምምራፁ ካቢኔ ምንግስቲ ትግራይ ሎሚ ፈላማይ ኣኼቢኡ ኣካይዱ እዩ።
እቲ ካቢኔ ኣብ ኣኼብኡ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዘትዩ።
# ሙሉብርሃን ግደይ
04/05/2026
ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣሕሊፉ
ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ ሚያዝያ 26 /2018 ዓ/ም ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ኣብ እዋን ፅንተታዊ ኩናት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ናብ መኸተ ዝተዋፈራ ናይ ውልቀን ትካላትን መካይን ብዓይነትን ብመልክዕ ካሕሳን ናብ ሰብዋናታት ንምምላስ ዝምልከት ነዚ ጉዳይ ኣፃርዩ ውሳነ ሓሳብ ከቕርብ ብዝመደቦ ኮሚቴ መኸተ መበገሲ ቀሪቡ ቢሮ መንገድን ትራንፖርትን እናተሓባበሮ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን፡ ቢሮ ንግዲን ቢሮ ፍሕን ከም ኮሚቴ ኮይኖም ውሳነ ሓሳብ ከቅርቡ ገዛ ዕዮ ተዋሂቡ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ እቲ ካቢኔ ኣብ ናይ ቀዳም ሚያዝያ 24/2018 ዓ/ም ውዕልኡ ሕቶ መስፋሕፍሒ መሬት ሜጋ ሕትመት፤ ምምሕያሽ ደንቢ ኮምሽን ፖሊስን ዝምልከቱ ብዝርዝር ሪኡ ውሳነ ኣሕሊፉ እዩ።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
ሚያዝያ 26/ 2018 ዓ/ም
01/05/2026
" ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተሎ ኣለኹ ።" ኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ
ሎሚ 24 ሚያዝያ 2018 ዓ. ም ኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦታት (COHA) ምጉዳል ምዕባለን ብህፁፅ ናብ ዘተ ክምለሱ ካብ ቅርፂ መንፈስ COНА ዘይኮኑ ተግባራትን ምንቅስቓሳትን ወፃኢ ከምዝኩንን ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ይብል ኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኢትይዮጵያ ዳግማይ ግጭት ንትግራይን ኢትዮጵያን ሰፊሕ ዞባዊ ዕንወት ምዃኑ ገሊፁ።
29/04/2026
" ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይ" ናብ ስራሕ ይመለስ ዝብል ውሳነ ከም ዘይቕበልዎ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለፁ ሎሚ ሚያዝያ 21/2018 ዓ/ም ምስ ሪእዮት ሚዲያ ኣብ ዝገብርዎ ፃንሒት እዩ። እቲ ውሳነ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደገኛ ውፅኢት ዘመላኸቱ እንትኾን ይኹን እምበር እቲ ውሳነ መንግስቲ ፌደራል ጣልቃ ንክኣትው እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕመይ ኮይኑ ኣሎ ኢለ ናብ መንግስቲ ፌድራል ፃውዒት ኣይገብርን፣ ዝሓተተኒ ኣካል እውን የለን ኢሎም ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብዙሓት ምክፍፋላት ተፈጢሮም እዮም። ብዚ ምኽንያት እዚ ብዙሕ ሓሳብ ዘለዎ ዝተገለለ ትግራዋይ ከመይ ኣኪብና ትግራይ ናብ ዝሐሸ መንገዲ ነሰጋግራ፣ ከመይ ዝሐሹ ኣመራፅታትጰንርአ እዩ ዘተሓሳስበኒ ኢሎም ኣለዉ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ።
እቲ ጉዳይ ናተይ ስልጣን ተናዊሕልካ እዩ ወይ ድማ ኣይትቕፅልን ኣይኮነን። እቲ ዋና ዛዕባ ከመይ ገይርና ካብቲ ነባር ቤት ምኽሪ ይመለስ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብቂዑ ትግራይ ናብ ንቡር ቀፃሊ መረፃ ነሰጋግራ እዩ ክኾን ዘለዎ ዝበሉ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ውጥጥ ውልቃዊ ጉዳይ ዘይኮነስ ዝተሓላለኸ ናይ ትግራይ ዛዕባ ናብ ሕጋውነት መረፃ ምምችቻው ምግባር እዩ ኢሎም።
ብምቁራፅ ነዳድን በጀትን ኣብ ዘለሉ ኩነታት ኮይኖም ብዙሕ ፈተናታት እናሓለፉ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ይመርሑ ከም ዘለዉ ዘገለፁ እቶም ፕረዚደንት እቲ መንግስቲ ሰራሕተኛ ብዘይ ደመወዝ ንዝኸፍሎ ዘሎ ኣገልግሎት ዝነኣድ እዩ ክብሉ ገሊፆም ኣለዉ።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
ሚያዝያ 21/2018 ዓ/ም
መራሕቲ TDF ኩኑ ካድረታት ህወሓት ደው ኢልኩም ሕሰቡ!
ትማሊ መከላኸያ ናይ ኢህአዴግ ፓርቲ መፃወቲ ከም ዝኾነ ሎሚ 'ውን ናይ ብልፅግና እዩ።
ለማ መገርሳ ፕረዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኮይኑ መከላከያ ካብ ክልል ጉዳይ ኢዱ የውፅአለይ ኢሉ ብተደጋጋሚ መግለፂ ይህብ ነይሩ።
ኣብ ኢህአዴግ መድረኽ "ኢህአዴግ ንምፍራስ ኢህአዴግ መሲሎም የፍርስዎ ኣለው" ዝብል ኣጀንዳን ፕሮፓጋንዳን ይውቀጥ ነይሩ።
እቲ ሓቂ ግና ካብቲ ኢህአዴግ ዝሓዞ ኣጀንዳን ፕሮፓጋንዳ ብተገላቢጦሽ እዩ ነይሩ።
መከላከያ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ምሕደራ ኦሮሚያ ክልል ኢዱ ከእቲ ኣይነበሮን ኢዱ ክስብስብ እዩ ኢህአዴግ ኣጀንዳን ኣቋምን ክወስድ ነይርዎ።
ስለዚ ኢህአዴግ ብስራሑን ውፅኢት ብልሹው ስራሑን እዩ ፈሪሱ። ንዓርሱ ተሰሓሒቱ ሰራዊት እውን ኣሰሓሒቱ።
ብተመሳሳሊ ኣመራርሓ TDF ነቲ ሓቂ ኣብ ቀበሌ፣ ወረዳ፣ ዞባን ክልልን ዘሎ ፀገም ዝፈትሕ፣ ኩሉ ትግረዋይ ዘሳተፈ፣ ዝሓቆፈን ኣጀንዳን ምልዕዓል ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ክንዲ ምፍጣር።
ብተቀራኒ ትማሊ ኣብ ኢህአዴግ ዝሰርሖ ስሕተት፣ ክላሽ ዓረር ተመርኩዝካ ህዝቢ ንምብርኻኽ ዝተኸየደ ክያዶ ድሮ ፕሮፓጋንዳ ትግራይ TDF-TPF ኢልና ትግራይ ተኸፊላ ኣብ መፀ-ኸደ ዋጦት ፃሕተርቲ ስምዒት ትግራይ መፃወቲ ፀላእታ ኮይና ካብ ምርኣይ ዘሕፍር ታሪኽ የለን።
ካድረታት ህወሓት፣ ትማሊ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ምምራፅ ቀዳይ መራሒ ዝነበረ ኣቦ ወንበርካ ዶ/ር ደብረጽዮን እዩ።
መሪሕነት ህወሓት ኣብ ምፍራስ ምኽሪ ኣብዪ ኣሕመድ ተቐቢሉ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ካብ ጌታቸው ክሳብ ወዲ ወረደ መን እናበተና ይሓድር ኣሎ ዝብል ሕቶ መልስ?
ስለዚ ዝኸበርኩም መራሕቲ TDFን ካድረታት ህወሓትን ካብ ትማሊ መከላኸያ ሕገ መንግስታዊ ወፃኢ መሳርሒ ኢህአዴግ ምኳኑ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ብልፅግና (መሊሱ ተግባር ኢህአዴግ ዝልብጥ ጥራሕ ኣጋዲዱ ዝኸይድ) ዘረከበ፣ ኢህአዴግ ዝበልዐ ኣንፈት ውቀት ብተመሳሳሊ ደድሕሪ ውድብ ዘኾይ ዘኾይ ደው ይበል ሓደ።
ካድረ ህወሓት ልዕሊ ዝኾነ መራሒ ትግራይ ካብ ምእማን ሽሑን ሚኢትን ደጋጊሙ ኣብዪ ኣሕመድ ዝኣምምንን ዝሰግድን ዶ/ር ደብረጽዮን እዩ።
ህወሓት መፃወቲ ኣብዪ ኣሕመድ ዝገበራን ኣብ መሪሕነቱ ትግራይ ንፅንተት ዝዳረገ፣ ግዝኣት መሬት ብወረርቲ ዘሀገረ፣ ህወሓት፣ TDFን ህዝቢ ትግራይን ፋሕ ብትን ክትብል ልዕሊ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ መሪሕነት ዝሕተት ሰብ የለን።
ብሕጊ ትምራሕ ትግራይ እምበር ብሓይሊ መልጢ ደርጋዊነት ምምራሕ ደው ይበል፣ TDF ካብ ጥብቅና ህወሓት ዘወር ይበል። ህወሓት ህዝባዊ ውድብ እምበር ደርጋዊት ኣይነበረትን።
ክሳብ ሐዚ ንትግራይ ኣብ ሓበራዊ ፀላኢ ንሰለፍ ዝብላ እምበር ብሓበራዊ ዕላማ ንሰለፍ ዝበላ የለን።
TDF፣ ካድረ ህወሓት ብኣውራኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንዓርስኻ ኣድሕን ካብ ፈታዊ ፀላኢ ይምሓርካ!
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Website
Address
Addis Ababa