MG Insight Podcast
MG Insight Podcast
Aspire to Inspire!
#ንቓሕ!
ንኽትድቅስ ኣይትደቅስ!
31/05/2026
#ንቓሕ
’ታይ ኢኻ ትብሎ፧
ምቕንጣጥ
ወርሓቱ ጥሪ እዩ። ሓጀትታት መርዓ ዝበዝሓሉ መቓን። በዚ ሕጂ ወርሓት፡ ከምዚ ሎሚ ካብ መረበትና ንስደት ከይተሳደድና፡ ንዳህያ ከይተፈረድና ጐራዙት ዓድና፡
“ጥሪ መጸት’ዛ ዕብዲ ቅነ፡
ከይተቈነንኩ ኣነ” ቢለን፡ ንሩባ ማይ እናወረዳ ብኸበሮ ጀሪካን ኣሰንየን ከዚማ ሎሚ ኰይኑ ተራእየኒ። ቅናት ኣደይ ማይራም ድግድጊት ተቐኒተን፡ ቍማል ዘጽድፍ ጋመ ቍኖ ተቘኒነን፡ ተሓኒነን ተውዛሕዛሕ እንክብላ፡ ኣቤት’ወ ኪግምጅዋ፡ የወናውና። ኣጓብዝ ዓዲ’ውን ንሓንቲ ጠላሕ ዝበለቶም ኣጐምጃዊት ዋሕኖ፡
“ዋሕኖ ቍመና ስኒ ረጾየ፡
ኣገፍቲንኪ ግደፍዮ’ኺ ማጾ....” ቢሎም ፍቕሮም ብጥበባዊ ሕደማ ብምግላጽ ቈጸራ ይሕዙ ነይሮም።
ልምዲ፡ ቅዲ ኣነባብራ፡ ወግዒ፡ ክብርታት ባህልን ሕብረተሰብን ብዙሕ ነገሩ እናተቐየረ፡ መበቈላውነቱ እናጠፍአ፡ ብኻልእ እናተተከአን እናተበለዘን፡ ሕሉፍ ሓሊፍዎ'ውን እናተጀልሐ ይኸይድ ኣሎ። በዚ ድማ ጽዋ ትውፊቱ ተባህለ፡ ነበረ፡ ተገብረ ኰይኑ ካብ ልሳን ፈለጥቱ ቅኔኡ፡ ዒደረኡ፡ ስብሐ ሕደማኡ ካብ እልፊ ብሕፍንቲ ንረኽቦ። እንተዀነ ፈለጥቱ’ውን እንተስ ብዕድመ ምድፋእ ወይ ብሃንደበታዊ ሕማም ስለ ዝፍለዩና፡ ከይተሰነደ ዝተረፈ ዝተኸስረ - ዝተቐብረ ስብሔ ሕደማ እልፊ’ዩ።
ምቕንጣጥ ካብ ሓጹር ባህሊ ትግርኛ ዳርጋ ተቐንጢጡ ካብ ዘሎ ሓደ ኣብነት ናይ መርዓ ከይዲ እዩ። ስብሐ ሕደማኡ’ውን ምስኡ። (ትማሊ፡ ንሓደ መንእሰይ ምቕንጣጥ እንታይ ማለት’ዩ፧ ክብል ተወከስክዎ፡ ኣይፈልጦን’የ። እንታይ ማለት’ዩ፧ ቢሉ ንሕቶይ ብሕቶ መሊሽለይ። ግርም፣ ከምዚ ትሕት ቢለ ገሊጸዮ ዘለኹ ገቢረ ምስ ገለጽክሉ ኸኣ፡ “ያ... እንታይ ደኣ ስቕ ኢልካ ተጀርረና። እዚ ደኣ “Party” እንድዩ ዚብሃል!’ ቢሉ ቃላቱ ቀሲሩ ኣጓጢጥለይ። ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ፡ ብእግራ ተሓክኽ’ዩ ነገሩ። ዕላጅ ደኣ ብሃል!)
መሶብ ባህልና ሃሰስ እንተደኣ ኢልካዮን እንተተወኪስካዮን፡ ለጋስ’ዩ፣ እንተኾነ ካዕቦ፡ ካዕቦ እንተተረፈ ድማ ሕፍኒ ኣይከልኣካን እዩ። “ባላ ተመርኰስ፡ ለባም ተወከስ” እዩ’ሞ፡ ንሎሚ ኣብ ዙርያ ደንበ ባህሊ ምቕንጣጥ ንጠቢባን ተወኪሰ ካብ ዝረኸብክዎን ዝቐረምክዎን እንዳእቲ ዒደረን ስብሐ ሕደማኡን ብሕፍንቲ ወስ ኪብለኩም ፈትየ ኣለኹ።
ምቕንጣጥ መርዓ ሰሙን ምስ ተረፎ ዝከናወን ያታዊ ልምዲ እዩ። ምቕንጣጥ ሕመረት ትርጉሙ፡ “ምልጋስ ወይ ምእላይ” ማለት ኪኸውን እንከሎ፡ ንመርዓ ኣብ ምድላው ዘላ ጐርዞ ኣብ እዝና፡ ክሳዳ ዘሎ ናይ ሕጸ ወርቂ መስቀል፡ ዝኾነ ስቝሬን ወይ ፈትሊ መሳሊ ብምውጻእ፡ ብምእላይ ቀንጢጠን ጸጕራ ተፈቲሑ ድዕባሎ ዚብሃል ፍሩይ ቍኖ ትቑነን። እዚ ኵሉ ከይዲ ምስ ተኸናወነ ምቕንጣጥ ይብሃል። ነዚ ከይዲ ዘከናውና ድማ ጐራዙ ዓዲ፡ ማለት ሳንዳታት ተቐንጣጢት እየን።
ኣደ ተቐንጣጢት ድማ፡ ንኣብ ዙርያ ጓለን ኰይነን ንዚቕንጥጣ ሳንዳታት ጐራዙ መዓር ዚጥዕም ሃንዛ መሸላ ተሰናድወለን። ጐራዙ ዓዲ ዝእለ ኣልየን፡ ጸጕሪ ተቐንጣጢት ዳዕቢለን ናብ ቅርዓት ዓዲ የውጸአኣ’ሞ፣ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ብዘውጸአኣ፡ ከበሮ ኣስንየን ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ብሕደማዊ ዜማኣን የስንቈንቝና...
“ኣዳነየ ለካ ከምዚ ኢና
ከም ጓል ጤሎም ስሒቦም ንጓና
ዎዮ ትወቕዓና
ዎዮ ትግስጻና
ካብ ሎሚ ምሸተ
ይግፋሕኽን ምድሪ ቤተ...” ብምባል ቤት ብዝትንክፍ ሕደማአን የስቈንቝና። እዚ ድማ ነቲ፡ “ዝኣኸለት ጓልካስ ንዝብኢ ሃባ” ዚብል ዘይምሕር ምስላ ኣቦዋትና ዚቓወምን ዝነቅፍን ውስጠዘ ዘለዎ መልእኽቲ ይመስል።
ኣብቲ ጐቦ ሓዊ ተክኽ ኣሎ
እገለ ሓቢ ’ጠብስ ኣሎ
ኢንቲቡ ኢንቲቡ እገለ ኢንቲቡ
ኣብ ምሰ ደይቡ ሓራስ ኣድጊ ዚጠቡ
ኣብ ኣደል ዓ’ተረ
ተሰቒላ ምሳረ
ሰኣን ዘውርደሉ
ከአዊ ውዒሉ.....” ቢለን ዘለፋ ብዚመልኦ፡ ንሕጽረት ቍመት ሕጹይ ዝገልጽን ዘቈናጽብን ዒደረ ዜማ የዚማሉ። ሕጹይ ሳንዳአን ቈማት እንተዀነ’ውን ኣይንሕፈኦን፡፡ ከም ወርወር መጸርገፊ ዳዕሮአን፡ ሳግላአን ጋባአንን ’ኳደኣ ይግበራኦ። ከምዚ ዚስዕብ ድማ ይብልኦ....
“ዳዕሮያ ረኺብና
መጸርገፊ ስኢና
በጃኻ እገለ መጸርገፊ ኩነና” ይውስኻ። ኣብ መወዳእታ ከይዲ ምቕንጣጥ፡ ኣደ ተቐንጣጢት ንዘሃበትን ሃንዛ መሸላ ኣብ ማእከላ ኣኽቢበን ብምንኳል ንቕንጥቲ ይህበኣ’ሞ፡ ንሳ ድማ ትበልዓ። ትርጉሙ፡ ድማ ‘ከምዚኣ ነይርኪ፡ ከምዚኣ ኸኣ ክትኰኒ ኢኺ’ ንምባል’ዩ። (ንምርድኡ ብዝጥዕም ቋንቋ፡ ንምፍራስ ድግልና ተቐንጣጢት ድሕሪ መርዓ የፍእም።)
ብድሕሪ’ዚ ቅንጥቲ ጐርዞ ካብ’ታ ናይ ምቕንጣጥ ምሸት ጀሚራ ብዘይ መሰነይታ በይና ክትከይድ ኣይፍቀደላን እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ ደቂ ሕድርትና ይከታተልኣ’የን፡ ከምኡ’ውን ጐንፊ ከይረኽባ ይብሃል። ኪኖ እዚ’ውን ንከይትጉነፍ ተባሂሉ ሽንፋኣ ይኣስራላ። ክሳብ ዕለተ መርዓኣ ድማ ቅጫ ዳጉሻ ቀጭቂጨን የብልዕኣ። እዚ ብዙሕ ደገ ቀልቀል ንኸይትወጽእ ዝሕግ ሜላ ድማ’ዩ።
ወደሓንኩም!.
ምስ ፍቕሪ
Follow MG Insight Podcast
&
MG[ኤምጂ]…
ናይ ሓንቲ ደቒቕ፡ ናይ ጥርዓን (Petition) ፌርማ ብምፍራም፡ ንዓመታት ንዝወስድ መስርሕ ግዜ( Processing time) ነሕጽር
ናይ ጥርዓን ፈለግ:
https://www.ourcommons.ca/petitions/en/Petition/Details?Petition=e-7435
Selamta Immigration Services Selamta Canada Neshnesh Tesfalem ዳኒ ወዲ-መምህር Canadian Immigration and Citizenship
ንበሎ
25/05/2026
«ምይይጥ ብምስላ»
ዳኒ ወዲ-መምህር
ቋዕ ዳሓን መጻእኩም ዓድና፡ “ሰብ ይተኣከብ፡ ምኽሪ ክርከብ” ይበሃል እሞ ንሰምዕ፡ 'ሎሚ ኾነ ሓምሊ ኮነ' ባይቶ ዓድና ብሰብ መሊኡ ምስምማዕ ስኢንና ምህረይ ገርህላሰ 'ኡሽታ' ክብሉ ተናፋቒ ግዜ ኮይኑና እንሆ፡ ብዝኾነ ኮይኑ በቢኣንፍና እንቋዕ ተራኸብና፡ “ሓላኽየይ ኣይቀደወኒ፡ ሓላብየይ ኣይቀደወኒ በለት ላሕሚ” ከም ዝበሃል ዓድና ብኹሉ ኣይጠዓማን፡ መንእሰያት “ልፋዕ ዝበሎ ቆርበት፡ መኽደን ከበሮ ይኸውን” ኮይኑዎም እነዉ ይለፍዑ።
እቶም መንግስቲ ከም ትፈልጥዎም “ባዕሎም እንባ ውሽጦም ባንባ” እዮም፡ እቶም ኣጣቓዕቶም ካኣ ከምቲ ወለድና “ሃረርታ ጸባ ዘለዎ ጓጉድ ማይ ወደአ” ዝበልዎ ኣብ ዘይብላ እዛ ዓድና ጸባ ከም ዝሓንፈፉ ብወረ ጸባን ማይን ዓጊቦም የፋጥጡልና ኣለዉ “ግዜኣ ዝሃባ ሓምሓም እምኒ ትሰብር” እኳ ዝበሃል፡ ነገረ-ጓጉድን ሓምሓምን ከምኡ እዩ፡ ውሽጡ ጥራዩ።
እንተ እታ ዓድና'ሞ “ልማዕ ዝበሎ ዓዲ ይመኻኸሩሉ፣ ጥፋእ ዝበሎ ዓዲ ይፈኻኸሩሉ” ኮይኑዋ “ሓሪድካያ ሞተት-ነጺኻያ ሞተት” ንዝዓይነቱ ኣቓትላ ክቐትሉዋ ይፈኻኸሩላ ንርኢ ኣለና። ንሕና ኻኣ “ሓንካስ በጊዕ፡ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ” ኮይኑ ነገሩ እንሆ ጎተት እናበልና ቆልዑ ሒዝና ዓዲ ኣርሒቕና።
ብኹሉ ኣይጠዓመናን ዓድና፡ “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” እኳ ዝተባህለ፡ ስደት ጥዑም እናመሰለ የቋስለና ኣሎ፡ ቆልዑ ካኣ ነብሶም ፈትዮም ስደት ፈትዮም። “ሓዊ ኣተወካ እንተበልዎስ፡ ሓሰር ተኸዲነ'የ በለ” ኢሎም ኣበዋት ስደት ውሽጡ ጓህሪ ምዃኑ ክነረድኦም ዘኽእል ቋንቋ'ኳ ምምላኽ ስኢንና እነና ነዕነኒ።
ብዛዕባ ዓድና'ስ ቀደም ኢና ተጋጊና ዓድና “ሓዋ መሲሉኒ ምስ ወዲ ዓዳ ሰዲደያ በለ ሰበይቱ ዘፋነወ ሰብኣይ” እዛ ዓድና ኣሚንና ሂብናዮም እነሀለዉ ኣዒሞም፡ ከም ወዮ “ሓያል'ያ ኣንበጣስ ግራትካ በሊዑ ኣብ ደጎልካ ይዓስል” ዝተባህለ እዩ ጎኒፉና፡ ደጊም ካብ ተኣከብና ሃየ “ሓደ ከይበልካ ክልተ ኣይበሃልን” እሞ ገለ ንምከር “ሓደ መዓልቲ ከይቀብሩ እናሓፈሩ ይነብሩ” እኳ ዝተባህለ። ሕፍረትን ውርደትን ካኣ ኣብዛ ዝባንና ካብ ዝጽሕያ እንሆ ዕቁዳት ከም ሓያል ፈረሰኛ እናጋለቡ ሓሊፎም። “ሕመቕ ካብ ዲኖ በጊዕ ትመውቕ” ከም ዝበሃል ሕመቕና ላዕልን ታሕትን ኢላ ክተሳሲ ንሕና ክንምእዘዛ ንረባረብ ኣይንመስልን እሞ ሃየ ጉዳይ ዓድና መዕለቢ ንግበረሉ፡ እንተዘይኮይኑ “ሕማቕ ሓረስታይ መነደሪ ተሓግ” ከም ዝበሃል ገርሁና ጥራይ ዘይኮነ ባሕርና'ኳ ትሓግ ኣብቊሉ እንተሎ ንፈልጦ'ይብልናን፣ ከምቲ “ሕማቕ ቀሺ ሓንቲ ዳዊቱ፡ ሕማቕ ዋጣ ሓንቲ ማህሌቱ” ዝተባህለ ሓንቲ “የዓውይይይ” ዘርእስታ ማህሌት ሒዝና ከይንመውት ሓደራ ዓድና።
ስለዚ ዓድና “መንግስቲ ሕጊ ይተክል፡ ሕጊ ይነቅል” ከም ዝበሃል፣ ሕጊ ክተክል ዝመክር መኻሪ ዘለዎ ንጉስ የድልየና ኣሎ “መኻሪ ዘይብሉ ንጉስ፡ ሓደ መዓልቲ ነይነግስ” እንድዩ ነገሩ፡ ህበይ ዝመኻሪቱ ንጉስ እዩ ዝለኻኽመና ዘሎ። ወግሐ ጸብሐ ናይ መናውራ እምብልታ እናነፍሐ ኣፍሪሑ ዘደቅሰና ንጉስ'ሲ ወጊድ ዳኣ ንበል “ዘፍርሕ እንተነገረካ፡ ዘጥርጥ ንገሮ” ከም ዝበሃል። ኣገሪህና ነጥርጦ😜!
ከምቲ ዓድና ባዕልኹም ትብልዎ “ሕማቕ ዋጣ'ሲ ዓደ'ቦኡ ጸሪፉ ይድረር” እንድዩ እዞም ቆላዑ ካኣ ኣያታቶም ምቁንጻብ ተተሓሒዞሞ ኣለዉ እሞ “ሕማቕ ኣይንገስ” ኢልና ያዕ ምባል ኣይንረስዕ። ዋላ'ኳ ክድረሩ እንተለዎም! እምበር ኪንዮ ጸርፍን ድፍረትን እንታይ ሓሳብ ኣለዎም ኮይኑ፡ “ምስ ሓሳብ ዘይብሉ፡ ገዓት ኣየብልዓኒ” ኢልና ግዳ ጸሎት ንግበር።
ብተወሳኺ ካኣ ዓድና “መዓር ዳኣ ይረኸብ እምበር - እንታይ ኣለኒ ምስ ቅርቅረ” እንድዩ ነገሩ እዛ ዓድና ዳኣ ናብ ንቡራ ትመለስ፡ እምበር እንታይ ዘቀያይም ኣለና፡ “ሓው ዘይብሉን ጨው ዘይብሉን ኣይምቁርን” እንድዩ ኣሕዋት ኢና ንላዘብ።
በሉ “መዓር እንተበዝሐ የትፍእ፡ ዘረባ እንተበዝሐ የኽፍእ” ስለ ዝኾነ ዘረባ ከየኽፋእኩ ኣብዚ ይኣኽለኒ፡ ተመልሶ ትዛረቦ እንተሎ ቀጽል።
ተመልሶ፣ ኣንቱም ዓድና “ሽቐጥ ዝመቀሮ ነዲኡ ይዋገየላ” ይብሉ ቀዲማውያን ኣቦታት፡ “ቀዳድ ለቖታስ ይስፈ ቀዳድ ኣፍ ከ ብምንታይ ይውተፍ” “ቁሩብ ዝእምነቱ፡ ብዙሕ ዝኽሕደቱ” ኣብ መንጎና በዚሑ እኮ፡ 'ቅዱም ብላዕ፡ ትሉም ዝራእ' እዩ እሞ ስርዓት ዘለዎ ኣካይዳ ይሃልወና ዋእ፡ ድሓር ካኣ “ቆልዓ ምስዓም ኣየዕብዮን፡ እንታይ ዳኣ፧ ምጥዋብ” እንድዩ ዓዲ ካኣ ምዝራብ ኣየዕብያን እንታይ ዳኣ፧ ምስራሕ። ሃየ ምስዓም ነቋርጽ። ወዲአ ኣለኹ…
እምሃጽዮን፣ ዓድና “ብዝቖረጽዎ በትሪ እንተተወቕዑ፡ ብዝመረጽዎ ዳኛ እንተተረትዑ ናብ መን የጉባዕብዑ” ዝብል ምስላ ነታ “ብዝመረጽዎ ዳኛ እንተተረትዑ” ትብል ኣውጺእካ እንድዩ ጎኒፉና ዘሎ…………
20/05/2026
ብዛዕባ ይቕሬታ
ይቕሬታ ምሕታትን ምግባርን፣ ኣብ ሞንጎ ሰባት ጥዑይን ድልዱልን ርክብ ንምፍጣር ካብ ዘድልዩ መሰረታውያን ክብርታት ሓደ እዩ። ብሓፈሻዊ ክርአ እንከሎ፣ ይቕሬታ ጌጋኻ ምእማን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንስምዒት እቲ ዝበደልካዮ ሰብ ምኽባርን፡ ነቲ ዝተበላሸወ ርክብ ንምጽጋን — ፍቃደኛ ምዃንን እዩ።
ብዛዕባ ይቕሬታ ክህልወና ዝግባእ ሓፈሻዊ ግንዛበ እስከ ንርአ፦
1. ጌጋኻ ምእማን
ይቕሬታ ቅድሚ ምሕታትና፣ ፈሊጥና ወይ ከይፈለጥና ጌጋ ከም ዝገበርናን ንሰብ ከም ዘጉሃናን ብልቢ ምእማን የድሊ። ጌጋኻ ከይኣመንካ ዝግበር ይቕሬታ፡ ብኣንነት ዝተባዕጠ ናይ ሻሕራ ይቕሬታ ስለ ዝኾነ፡ ፈጺሙ ትርጉም የብሉን።
2. ስምዒት ሓላፍነት ምስካም
“ይቕሬታ፣ ግን እኮ ንስኻ ኢኻ ከምዚ ጌርካኒ” ዝዓይነቱ ምስምስ ምድላይ ሓቀኛ ይቕሬታ ዘይኰነስ፡ ትዕቢት እዩ። ሓቀኛ ይቕሬታ፣ ብዘይ ምንም ምስምስ (Excuse) ነቲ ዝገበርካዮ ድርኺትን ሳዕቤኑን ሓላፍነት ክትወስደሉ ከለኻ እዩ።
3. ለውጢ ንምምጻእ ቃል ምእታው
ይቕሬታ ብቓላት ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባር እዩ ዝግለጽ። እቲ ዝተፈጥረ ጌጋ ደጊሙ ከይድገም ምጥንቃቕን ባህርያትካ ንምስናይ ምጽዓርን ናይ ሓቀኛ ይቕሬታ፡ ዓቢይ ምስክር እዩ።
4. ይቕረ ምባል ንርእስኻ ምፍዋስ እዩ
ብዙሕ ግዜ ይቕረ ክንብል እንከለና ንሰባት ጥራይ ዝጠቅም እዩ ዝመስለና። ይዅን ደኣ እምበር፡ ይቕረ ምባል ነቲ ኣብ ውሽጥና ተዓቂሩ ዝነበረ ቂምታ፣ ሓርቖትን ጓህን ስለ ዘውጽኦ፣ ንነብስና ካብ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ጾር ሓራ ነውጻኣሉ ስነ-ልቦናዊ ፍወሳ እዩ።
ክንኣስሮ! ይቕሬታ ምሕታት ድኽመት ዘይኮነስ፡ ናይ ሓሰ ሰብ ዕብየት ኣእምሮን፡ ጥንካረ መንፈስን እዩ ዘርእይ። ይቕረ ምሕታት፡ ኣብቲ ሰብ ዘለካ ክብርን ዋጋን እዩ ዘርኢ። ሰብ ኮይኑ ዘይጋገ የለን፣ እቲ በሊሕን ክቡርን ሰብ ግና እቲ ጌጋኡ ኣሚኑ ይቕሬታ ዝሓትትን ይቕረ ዚብልን እዩ።
゚viralシfypシ゚シ゚viral ゚viralvideo ゚
MG(ኤምጂ)...
መንቆርቆር...
ስቕ ቢልካ ካብ ተንቆርቍር
ንርእሳ ግዳ ዘይትዓቍር
MG(ኤምጂ)...
18/05/2026
ኣብ ኣውቶቡስ፡ ከይተፈለጠኒ ኣብ መንኮባ ድቃስ ወሲድኒ። ሩፍታ ካብ ዘለዎ ድቃሰይ ምስነቓሕኩ ብፍሽኽታ እናጠመተት ‘ተሰኪፈካ እምበር፡ ዝወርደሉ ቅድሚ ሰለስተ ፌርማታ እዩ ነይሩ’ በለትኒ። ካብዛ ህሞት እዚኣ እዩ ጕዕዞ ፍቕሪና ጀሚሩ።
MG(ኤምጂ)...
15/05/2026
ዛሕሊ ዝሓዘለ ንፋስ ዘለዎ ምሸት እዩ። በእዳዎም ተተሓሒዞም እናተጓዕዙ እንከለው፡ ናብ እዝና ተጸጊዑ “ንዘልኣለም ምሳኺ ክኸውን እየ” ዝበላ ዘከረት። ውሽጣ ንፋስ ቋጺሩ ከም ዝነበረ፡ ኣዕሚቛ ኣተንፈሰት። ... 'እታ ህሞት እቲኣ፡ ካብ ቃላት ንላዕሊ፡ ልቢታትና ፍቕራዊ ውሕደት ከምዘዚማ ዘረጋገጸትለይ ጥርዚ ሓጐሰይ ነበረት። ክሳብ ሕጂ'ውን ካብ ጥርዚ ደስታ ፍቕረይ ኣይወረድኩን። ይጽበዮ'ለኹ!
゚viralシfypシ゚シ゚viral ゚viralvideo ゚
MG(ኤምጂ)...
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Contact the public figure
Address
Medan