Tigray Daily

Tigray Daily

Share

Tigrai is ሃገረይ። It critically criticises the political practice of Ethiopia and Tigray!

16/06/2026

ናይታ ሕማም ብልዕታ ኣብዚኣ እያ። ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም፣ ፍልፍል ግዕዝይና፣ ምንጪ ልምሰት መንግስቲ ኣብዚኣ እያ ። ስለዚ ብምክትል ፕረዚደንት መዓርግ ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽንን ከተማን ኣይተ ኣለም ነዚኣ እንተፈፂምዋን እንተተቃሊስዋን ስርዓታዊ መንግስትነት ክረጋገፅ እዩ።

ኣብ ብልፅግና ቤት ማዘጋጃ ስለዝሰርሑ ጥራሕ ወነንዪ ዘመናዊ ቪላታትን ፎቓትን ዝኾኑ ብዙሓት እዮም። ኣብ ሸቐጥ ስለዝነበሩ ዝተሓዝ ሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃደሙ ኳ ክንደይ ከምዝኾኑ ብግልፂ ምቕማጥ ይከኣል እዩ።

16/06/2026

ቅንያት ወፍሪ ኣሉላ || እስኪ ብሓቂ መስክሩ ጀነራል ሸሪፎ ፈራሕ ድዩ?
----
እስኪ ኣብቲ ናይ 8 ወርሒ መኸተ ኣባላት ክፍለ ሰራዊት ኣኽሱም ኮይንኩም ኣብ ፃፅለ፣ደምሳሳይ ውግእ ኣውልዖ፣ዓዲ ማእኸል፣ መስተንክራዊ ስርሒት ወፍሪ ኣሉላ ዝወዓልኩም ብፆቱ መስክሩ ታሪኽ ወ/ጀወርግስ ተኽላይ ታሪኽኩም እዩሞ።

እስኪ ኣባላት ኮር 201 ደሓር ድማ ኣባላት ኣርሚ 33 ኮይነኩም ኣብ ካብ ወፍሪ ኣሉላ ክሳብ ዓዲ ኣምሓራ ዝተኻየዱ ከበድቲ ውግኣት ዝነበሮ ተሳትፎ ታይ ነይሩ ትብሉ?

ካብ ሩባ ፋጂ ጀሚሩ መንገዲ ማእኸል ገይሩ የማን ፀጋም ከቢድ ውግእ ሃይቂ ሓዊሱ ክሳብ ሰሜን ሽዋ መዘዞ ጣምራ በር ደብረሲና ዝተኻየደ ደምሳሳይን ገስጋሳይን ውግኣት

ካብ ግንባር ዓዲ ኣገው ክሳብ ፀለምቲ፣ፀሊሞይ-ደደቢት ክሳብ ነበለት ኣብ ዝነበሩ ዕረፍቲ ዘዮነበሮም ተኸታተልቲ ደማዊ ውግኣትን መስተንክራዊ ውዕሎታት መሪሕት ጀነራል ሸሪፎ ከመይ ነይሩ እስኪ መስክሩታ።

እስኪ ኣነ ድማ እታ ዝፈልጠሉ እዚኣ ክብል:-

🔹1) ቅድም ናብ ደባይ ምቅያርና ዋዕለ ንህብ ሸራሮ ዙርያ ጓል ባድሜ ምስ 7ኛ ሜ/ድ ዓድ ጎዞሞን ፃዕዳ ምድር ሸረ ዘሩያ እምባ ጠይዙን ውቅሮ ማራይ ሰለክለካ ዕንኒ ፈላፍል ማይቅነጣል ነበለት ወርዒ ሓውዜን ድጉም ጉልሻን ኣልዓሳን ጉርሮ ጫሞን።

🔹2) ኣብ 8 ወርሒ ንመጀመሪያ ኣለና ዝበለት ማይ ቅነጣል ዙርያ ጓህሮ ብዙሕ መኻይን ዘቃፀለት እንደፈላሲት በተለይ ዞንጊ ናይ ፀላኢ ሜ/ድ ብርጌድ ሙሉ ብምሉእ ብኣኩሱም ክ/ሰራዊትን ኣሉላ ክ/ሰራዊትን ኮይነን ዝደምሰሰኦ ንወረ'ውን ዘየምለጠ ዝተደምሰሰ ፀላኢ።

🔹3) ኣውሎዖ ናዕድየር ዓዲ ማእከል ናይ 25ኛ ክ/ጦር ዝደምሰሰ ናይ ሻዕብያ ሓደ ብርጌድ ውን ዝተደምሰሰሉ ናይ ህዝቢ ናዕድየርን ከባቢኡን ይመስክር።

🔹4) ዓዲ ዕሽር ግጀት ናይ ፀላኢ 32ኛ ናይ 11ኛ ሓደ ብርጌድ ብምድምሳስ ርእሲ 13 ድሽቃ ኣኩሱም ክ/ሰራዊት ምስ ኣርሚ ክልተ ኮይና ዝደምሰሰትሉ ንፀላኢ ሕቁኡ ዝሰበረት ኣሃዱ እያ።

🔹5) ኣብ ነቅሰገ ወይ ወዲ ሰምሮ ናይ ሸዕብያ 9 ብርጌድን ናይ ፒፒ 11ኛ ሓደ ብርጌድን ክፍለ ሰራዊት ኣኩሱም ን3 መዓልቲ ተዋግኣ ዝደምሰሰቶ እዩ።

🔹6) ፀድያ ዕዳጋ ዓርቢ ማይጨቀምጠን ከብድ ውግእ ንሻዕብያ ፒፒ ዝበታተነ።

🔹7) ወርቃ እምባ ላዕላይን ታሕታይን ሰግልን ናይ ሻዕብያን ናይ ፒፒ ን3 ክ/ሰራዊት ብክ/ሰራዊት ኣኩሱም ዝተደምሰስሉ ፀላኢን ወገን ውን ዝፈልጥዎ ከብድ ክሳራ ዝበፀሐ እዩ።

🔹8) ገለበዳ፣ ፃዕዳ ሓመድን ፣ምስ ኣሃዱታት ኣርሚ 3 ብሓባር ድማ ኣብ ቆራሮን ኣተበን ዙሩያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሻዕብያ ከቢድ ክሳራ ኣብ ዝበፀሐ ክፍለ ሰራዊት ሓርበኛን ኣኩስምን ኣብ ፀላኢ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ኣብፅሐን ታሪኽ ሰሪሐን እየን።

🔹9) ወፍር ኣሉላ ኣብ ስኒ ዋልቫ ናይ 11ኛ እግረኛ ብ/ድን ሜ/ድ ብ/ድን ዋና መአዘዝ ዝነበሮ ምስ ስታፉ ኣብ ስሕበት ማእከል ዝተመደባ ኣኩስምን ሓርበኛን ኣብ የጭላን ዓረቋይን እቲ ቀዳማይ ብርጌድ ውን ኣርኪበን ደምስሰን ናይ ፀላኢ ብዙሓት ሙሩካትን መዳፍዑን ኣየር መቃወምያን ሞርታራትን ጠቕላላ ንብረቱ ተማረኩ።

🔹10) ደግማይ ስንዋልዋ ብዕፃው ን3 መዓልቲ ምስካለኣት ናይ ኣርሚ ክልተ ኣሃዱታት ብምኻን ቀፅሉ ውን ሰንጥቁ ዝሓልፍ ፀላኢ ውን ንሱር ካፕን ዓዲ ዘላን ብምቁራፅ ኣኩሱምን ሓርበኛን ካብ 190 ተሽከሪካርን መደፍዕን ብዙሓት ሙሩካትን ማርካ 201 ኮር እያ ትባሃል ኔይራ እታ ኮር።

🔹11) ወዲ ኣንጥሩ እስካብ እዛ ሳዓት እዝኣ ምንም ከም ሰብ ማንካ ወይ ብጭልፋ ተሳትፎ ኣይነበሮን ምድብ ውን ኣይነበሮን።
🔹13) ቆቦ 201 ኮር ኣኩስም ሓርበኛ ኣባይ ፀሃየ ክፍለ ክ/ሰራዊታት ብምሓዝ ኣብ ማእከል ስሕበት ፀላኢ ዝተመደበ ኮር እዩ ብላሊበላ ክወፅእ ከምልጥ መሉ ንሙሉ ብ201 ኮር ኩሉ ንብረቱ ሰቡን ፀላኢ ተደምስሰሉ ፀላኢን ፈታውን ዝፈልጦ እዩ።

🔹14) መጀመሪያ ካብ እስታየሽ ጋሸና ገርገራን ፈላቅትን ደብረ ዘብጥን እንደመድሓንኣለም ጨጨሖን ንፋስ ማውጫን ን6 ማዓልቲ ቀትርን ለይቲ ፀለኢ እናፀረገ እናደምሰሰ 201 ኮር ናይ ፀላኢ ናይ ጎጃም ምልሻ 90,000 ሺሕ ናይ ጎንደር ምልሻ 70 ሺሕ ናይ ኣምሓራ ፉሉይ ሓይሊ 5 ክ/ጦር ናይ ኣምሓራ ፋኖ ርእሲ 40 ሺሕ ናይ መካላከያ ኮማንዶ ሓደ ብርጌድ እግረኛ ክ/ጦራት 4 34ኛ 51ኛ. 54ኛ 33ኛ ደመቀ መኮነን ም/ጠ/ ሚንስተር ዘይድፈር ሓይሊ ትግራይ ክትበፁሑ ዝበሎም እዩ ንዚ ሓይሊ ፀላኢ ታንክታትን መዳፍዕን ኣየር መቋወምን ብኤማትን ወዘተ ዝተዓጠቀ ወቅዑ በታትኑ ኣጥፍእዎም 201 ኣባይ ፀሓየ ንላልበለን ከባቢኡን ፀረጉ ደምስሱ ላልበላ ውን ጎን ንጎ ላሊበላ ውን ናፃ ዘውፀኣ እዩ ኣብ ፀላኢ ዓብይ ድንገፄ ዝፈጠረ እዩ እዚ 201 ኮር።

🔹15) ድሕሪ ንፋስ ማውጫ እስካብ እግሪ ጉና ናይ ኣስማዳ መገንፀሊ ብኮር 203 ብጉዕሽ ገ/ሄር ትምራሕ ኮር ፀራርጋ ምስ ደምሰሰቶ ዝማረክ ተሽከርከርቲ ብበዝሕ ካልእ ሓይሊ ፀላኢ ምስ ኣምፀአ ኮር 201 መንገድ ብመሓዝ ንክምር ድንጋይ ኮር 203 ውን ብላዕሊ ወይ ዝባን ጉና ብምውፃእ እስቲየ መንገድ ደብረታቦር ብምቁራፅ ኮር 201 እናጥቀዐ ክምር ድንጋይ ተቋፃፅሩ ንደብረታወር ኣብ ምጓዓዝ ከሎ ተመለሱ ብድሕሪት ፀላኢ ብጋሸና ካብቶም ኣብኡ ዘለው ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ከይኮን ኣርክብ ተባህሉ ኣርክቡ ኣኩሱም ክ/ሰ ሓርበኛ ክ/ሰ ካብ ኣባይ ፀሃየ 2 ሬ/ት ብምሓዝ ኮር 201 ወሳኒ ታራ ኔይርዎ። 4 72 ታንክን 3 መድፍዕን 3 ዙ 23ን 6 ሞርታር 120 ተሸከርከርቲ ርእሲ 100 ደዞራት 5 ካልኦትን ብበዝሒ ተማርኩ ትዝመፀአ ሓይሊ ውን ተደምስሱ እዩ።

🔹16) ካብ ነሓሴ 22/12/2013 እስካብ ጳጉሜን 5/2013 ምሸት ናይ ምክልካልን ፀረ መጥቃዕቲ ን13 መዓልቲ ተካላክሉ 2 ታንክ ኣቃፅሎም 3 ዙ 23 ኣቀፅሎም ጥይት ዝፃዓና 2 ኦራል ኣቃፅሎም 2 በረት ለበስ ኣቃፅሎም።

ካብዚ ተበጊስና ወዲ ኣንጥሩ ኣብ ፈቖዶ ሚድያታት እናቐረበ ዝኾነን ዘይኮነን ሓበሬታ ዝውዝዕ ዘሎ ውልቀ ቂም ዶ ሃሊእዎ ወይስ ብፈጠራዊ ፀለመ ታሪኽ ሸሪፎን ንሱ ዝመርሖም ኣሃዱታትን ምፅላም?

ብስሩኸ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ትሕቲ ብርሃኑ ጁላ ኮይኑ ናብ ትግራይ ኣፈሙዝ ከቕንዕ ዝህንደድ ዘሎ እዚ ወዲ ኣንጥሩ ዝበሃል ጀነራል ንባዕሉ ኣካል እቲ ናይ ትማሊ ዝተሳለጠ ጀኖሳይዳዊ መኸተ ኮይኑ ታሪኽ ከምዘይሰረሐ ነቲ ባዕሉ ኮነ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ጀግና ተወርዋሪ ኣርሚ 50 ታሪኹ ዘደይን ስራሕ ዝሰርሕ ዘሎ?

ልቢ ግበር በልዎ!

💫 ኮኾብ ወዲ ህዝቢ እየ ካብ ግንባር

እስኪ ብዛዕባ ውዕሎታት እንዳ 33ን መሪሕነት ጀነራል ሸሪፎን ብቐረባ ትፈልጡ ኣብ ርኢቶ መውሃቢ ሳፅን ሓሳብኩም ኣቐምጡ🙏

Photos from Tigray Daily's post 15/06/2026

ምርግጋፅ ሉኣላውነትና ቁልፊ ትኹረትና ጌርና ግዕዝይና ብምቅላስ ንህዝብና ስሉጥ፣ ሕጋውን ፍትሓውን ግልጋሎት ክነረጋግፅ ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት ብ/ክ/መ/ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ነዚ ዝገለፁ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ናይ ወርሒ ሰነን ሓምለን ቀፀልቲ መደባቱ መሰረት ጌሩ ምስ መዳርግቲ ኣካላት የካይዶ ኣብ ዘሎ መድረኽ ምልዕዓል'ዩ።

ብኲናት ዝዓነዋ ከተማታት ትግራይ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ'ውን እንተኾነ ዳግመ ሕውየተን ዘይተረጋገፀሉ፣ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓ ዝተስፋፍሐሉ፣ ውሱናት ኣካላት ከምድላዮም ዝኾኑሉ ህዝቢ ዝሳቐየሉ ከይዲ ምህላው ብምምልኻት ኣብ መዛዘሚ በጀት ዓመት 2018 መጀመሪ 2019 ዓ/ም ኮይንካ'ውን ሓፂር ትልሚ ብምውፃእ ብሓዱሽ መንፈስ ስራሕቲ ምውጋን ከምዘድሊ ገሊፆም።

ኣብ ሓደጋ ህልውና ድሕንነትን ኣለና ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፥ ከም መንግስቲ ምርግጋፅ ሉኣላውነትና ቁልፊ ትኹረትና ጌርና ግዕዝይና ኣብ ምቅላስ በብዓውዱ ንህዝብና ስሉጥ፣ ሕጋውን ፍትሓውን ግልጋሎት ክነረጋግፅ ይግባእ ኢሎም።

ብልሹው ኣሰራርሓ ኣብ ምቁፅፃርን ስርዓት ኣብ ምትሓዝን ኩሉ ክረባረበሉ ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ለውጢ ኣምፂእና ኣወሃህባ ግልጋሎትና ንህዝቢ ብዝጠቅም መንገዲ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

እዚ ፈታኒ ግዘ ተሓጋጊዝና ፀገምና እነቃልለሉ ዓርሰ-ምርኮሳና ኣበሪኽና እንሰግረሉ፣ ውሽጣውን ግዳማውን ዕንቅፋታት በዲህና ዝተለመደ ኣሰራርሓ ቀይርና ግዕዝይናን ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ተቓሊስና ሃፍትናን ንብረትናን እንጥቀመሉ መኸተና እነዐውተሉ ፣ ናብ ሕግን ስርዓትን እንኣትወሉ ግዘ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን- ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ብወገኖም ናይ ወርሒ ሰነን ሓምለን መደባት ብምውፃእ ናብ ተግባር ንምስግጋር ዝዓለመ መለዓዓሊ መድረኽ ምዃኑ ሓቢሮም።

14/06/2026

ኣብ ትግራይ ዝርከብ መንግስቲ ሰራሕተኛ መሃያ ብኣግባቡ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ማሕበራዊ መነባብርኡ፣ ህልዊ ኩነታቱ ተጎሳቒሉ፤ ናይ ግልጋሎት ክፍሊቱ፣ ናይ ክራይ ገዛ ወፃኢኡ፣ ናይ ተምሃሮ ክፍሊቱ ወዘተ ክሽን ኣይከኣለን።

ሂወቱ ተጎሳቒሉ ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከብ። መፃኢ ዕድሉ እውን ፀልሚትዎ ኣሎ። ነዚ ፀገም ኣብ ግምት ብምእታዊ ንሽግራቱ ዝፈትሐሉ ኣካል ብዘይምህላው ድማ ዝያዳ ተስፋ ክቖርፅ ገይርዎ ይርከብ።

ሰራሕተኛ መንግስቲ ማለት ካብታ ብዝተምሃራ መሰረት ሞያዊ ግልጋሎት ምሃብ ወፃኢ ኣብ ንግዲ ይኹን ሕርሻ ክነጥፍ ዘይከኣለ ክፋል ሕብረተሰብ እዩ። ነዚ ኣዝዩ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎን ካብኡ ዝፅበ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝሓዘን ሰራሕተኛ መንግስቲ መሃይኡ ብግዚኡን ብኣግባቡን ክወሃብ ይግባእ።

Photos from Tigray Daily's post 12/06/2026

ንኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኣካላት ፍትሕን ካልኦት ዝምለከቶም ኣካላትን፤ ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ንዝወፀ ኣዋጅ መሰረት ዝገበረ መድረኽ ምርድዳእን ምዕባይ ግንዛበን ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ቢሮ ፍትሕን ብ/ክ/መ/ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፤ ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ዝወፅአ ኣዋጅ ንዘጋጠመና ዘይንቡር ኩነታት ዝምጥን ምላሽ ንምሃብ ዘኽእል ሕጊ እዩ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ተጣሒሱ፣ ልኡላውነቱን መሰል ዓርሰ ውሳንኡን ተመንጢሉ፣ ንዝተፈፀሞ ጀኖሳይድ ፍትሒ ስኢኑ፣ ካብ መረበቱ ተሰዲዱን ተፈናቒሉን፣ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዓቕምታቱ ዓንዩ፣ ከም ኩርዳውያን መረበት ኣልባ ንምግባር ውዲት ተፋሒሱሉ፣ ኣብ ክባን ዕፅዋን ወዲቑ ንኽሃልቕ ተፈሪዱዎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት ዓቕምታቱ ተጠቒሙ ከም ህዝቢ ከጥፈአና ለይትን ቀትርን እናሰርሐ ኣብ ዘለሉ ዘይንቡር ኩነታት ንዕኡ ዝምጥን ሕጊ ብምውፃእ ብሄራዊ ትካላት መኸተ ክንውድብ፣ ንተለኣኣኽቲ ፀላኢ ኣደብ ክነትሕዝ፣ ንውዲት ጥፍኣት ዝተዘርገሐ መርበብ ፀላእቲ ዝምጥን ግብረ መልሲ ክንህብ፣ ሕግን ስርዓትን ክኽበር ክንገብር ግቡእ ስለ ዝኾነ እቲ ኣዋጅ ምውፅኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ድሕሪ ምባል፤ ሕድሕድ ድንጋገ እቲ ኣዋጅ ኣብ ንቡር ኩነታት ኮይንካ ዘይኮነስ ብመንፅር ኣብ ትሕቲ ጭቡጥን ዘንፀላለወን ሓደጋ ህልውና ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኮይንካ እዩ ክርአን ክትርጎምን ዘለዎ ኢሎም።

ንኣብነት፡ ኣብ ዝተወሰኑ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝምልከቱ ድንጋገታት ዝምልከት እቲ ዝወፅአ ኣዋጅ ካብ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ከም ዝፍፀም ተደንጊጉ ኣሎ። እዚ ማለት ንዝሓለፉ ከባቢ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ወዲቑ ኩሎም ዓይነት ገበናት ዝፈፀመሉ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ እቶም ፈፀምቲ ገበን ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ከም ዘይኽእሉ ዘርኢ እምበር ኣብ ንቡር ኩነታት ዘስርሕ መትከል ሕጊ ገበን ንምጥሓስ ዝዓለመ ኣይኮነን። ብመሰጋገሪ ፍትሕን ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ፍትሒ ክንረክብ ኣብ ዘይክኣልናሉን ካልእ ሓደጋ ኣብ ዘንፀላለወናን ኩነታት እናሃለና ስኽ ኢልና ክንርኢ ተወሳኺ ጥፍኣት እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ኣመራርሓን ሰብ ምያን ፍትሕን ፀጥታን ክልል፣ ዝተፈላለያ ዞባታትን ወረዳታትን ዝሳተፉ ዘለዉ ኮይኖም፤ ኣብ ኩሉ ብርኪ ምስ ዘለዉ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ክቕፅል እዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት ሓቢሩ ።

Photos from Tigray Daily's post 11/06/2026

ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ኦሊሰጎን ኦቫሳንጆ ምስ ፕረዚደንት ትግራይ ዶር ደብረፅዮን ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኢትዮጵያ ትኹረት ገይሮም ዘትዮም።

Photos from Tigray Daily's post 11/06/2026

ዓርሰ ምርኮሳዊ ምንቅስቃስ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎን ከተማ ውቕሮን
===============================
🎯ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ምስ ኩሎም ስትራተጂካዊ ዓቕምታት ብምትሕብባር ህልው ኩነታት ትግራይና ተሓሳቢ ብምግባር ስትራተጂ ሕውየትን ልምዓትን ሕርሻን መነበብሮን (Agriculture and Livelihood recovery and development strategy) ብምድላው ኣብ 10ተ ወሰንቲ ናይ ትኹረት ማእኸላት (Agricultural Transformation: Thematic Areas) መሰረት ብምግባር ኣብ ውሽጢ ህልዉ ዓቕምን ኩለመዳያዊ ፀገምን ትግራይ ኮይኑ ውሱን ጅማሮታት ሕውየትን ልምዓትን ሕርሻን መነባብሮን እናካየደ ይርከብ።

🎯ካብተን 10ተ ወሰንቲ ናይ ትኹረት ማእኸላት ሓንቲ ሕርሻና ካብ ዝተበጣጠሰን ኢድ ናብ ኣፍን (Fragmented and subsistence agriculture) ናብ ክላስተራዊ ኣለማምዓን ንግዳዊ ከይድን (Agricultural commercialization through a clustering approach) ናይ ምምዕባል ኣንፈት እንትኸውን በዚ ምንቅስቃስ እዙይ ሓረስቶት ብቐንዱ ብናይ ባዕሎም ፃዕሪ ከምኡ እውን ናይ በብ ብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓን በዓል ሞያን ምምሕዳራውን ሞያውን ሓገዝን ቐረብ እታወታትን ተወሲኽዎ ተስፋ ዝህቡ ጅማሮታት ዘለዉ እኳ እንተኾኑ ብሰንኪ ናይ ነዳዲ ሕፅረት: ናይ ካሽ ፀገም: ናይ ዕዳጋ ምትእስሳሳር ጉድለትን ናይ መፅንሒ ትካላት ዘይምጥንኻርን ካልኦት ፀገማትን ትፅቢት ዝግበር ዝለዓለ ትርፊ ኣብ ምርካብ ብቐፃሊ ክፍትሑን ክእረሙን ዝግበኦም ፀገማት ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ምድንፋዕ ኩለመዳያዊ ማእቶትና
ንምውሓስ ህልውናናን ድሕንነትናን

ፍልፍል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣይተ ኣለም ብርሃን ሃሪፈዮ

10/06/2026

ብምርብራብ ህዝቢ ኣብ ደኒ ዴስኣ ኣጋጢሙ ዝነበረ ባርዕ ሓዊ ንግዚኡ ምጥፍኡ ተፈሊጡ ኣሎ🙏

10/06/2026

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝርከብ ዝለዓለ ደኒ ዴስኣ ሎሚ 03 ሰነ 2018 ዓም ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠሞ ይንገር ኣሎ። ነቲ ሓደጋ ንምጥፋእ ነበሪ እቲ ከባቢ ኣብ ምርብራብ ይርከቡ።

Want your public figure to be the top-listed Public Figure in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Telephone

Website

Address


Mekelle