Addis Alem
ትግራይ ትስዕር ✊🏽ረመፅ💊
12/02/2022
ሃለዋት ተጋዳላይ ህወሓት ዘበሰሩ ፈላሞት ስርሒታት ( ሕርጓቶ ዝኽሪ ለካቲት )
-------
ታሪኽ ቃልሲን ጅግንነተን ህዝቢ ትግራይ ክነልዕል እንተሎና ተቐዲሑ ዘይነፅፍ ዉቅያኖስ እዩ።
እዚ ዘይነፅፍ ቅያን ጅግንነትን ድማ ኣብራኽ ህዝቢ ትግራይ ብዝኾኑ ጀጋኑ ደቁ እዩ ተሰሪሑ።
እቶም ፈለማ ዓሰርተታት ዝነበሩ ግን ከዓ በቢእዋኑ ብኣማኢት ኣሽሓት ኣብ መስመሮም ከም ዘሰልፉ ሃቂኖም ኣንፃር ስርዓት ደርግ ኣብ ሑጓታት ደደቢት ሽግ ሓርነት ዝለኮሱ ጀጋኑ ተጋደልቲ ህወሓት ዕላማን ራኢን ቃልሶም ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ትግራይ ክኹላዕ ምእንታን ፈለማ ሃለዋት ህወሓት ምርግጋፅ እዩ ነይሩ ቱኽረቶም።
ኣብዚ ከይዲ እዚ ተጋደልቲ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስጀመሩ ድሕሪ 5ይ ወርሒ ካብ ወርሒ ሓምለ 29/ 1967 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ሰሊኾም እናኣተዉ ስርሒታት ምክያድ ዝፈለሙ እንትኾን እዚ ወፍሪ
''ቃልስና ነዊሕን መሪርን እዩ ዓወትና ናይ ግድን እዩ" ብዝብል ጭርሕኡ እንፈልጦ ተጋዳላይ ሙሴ (መሓሪ ተኽለ) ተኣሲሩሉ ካብ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ሽረ እንዳስላሴ ንምፍታሕ ዝተኻየደ ፈላሚ ወታደራዊ ስርሒት ነይሩ። እዚ ስርሒት ሃለዋት ህወሓት ኣብ መላእ ትግራይ ክቃላሕ ዝገበረ እዩ።
ካብዚ ዕዉት ስርሒት ጀሚሩ ዉድብ ህወሓት ክሳብ ፈላማይ ዉድባዊ ጉባኤ ዘካየደሉ ወርሒ ለካቲት 1971 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋናት ጥራሕ ተጋዳላይ ትግራይ 85 ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ስርሒታት ኣንፃር ሰራዊት ደርግ ኣካይዱ እዩ።
ንገሊኦም ንምጥቃስ ዝኣክል:-
#ሰነ 12 /1968 ዓ/ም ምስ ጀብሃ ብሓባር ብምዃን ዉግእ ሴሮ
#መስከረም 11/1968 ምስ ጀብሃ ብሓባር ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝተፈፀመ ስርሒት
#ነሓስ 24/1969 ኣብ ኣሕሳኣ ዝፈፀሞ ስርሒት
#ጥቅምቲ 13/1970 ስርሒት ከተማ ዓብይ ዓዲ
#ጥቅምቲ 21/1970 ስርሒት ከተማ ነበለት
#ሓምለ 15/1970 ዓ/ም ስርሒት ከተማ ሰለኽለኻ
#ነሓሰ 4/1970 ዓ/ም ስርሒት ከተማ ነበለት
#ነሓሰ 15/1970 ዓም ስርሒት ከተማ ዓብይዓዲ
# ነሓሰ 18/1970 ዓም ሰርሒት ከተማ ሃገረሰላም
#መስከረም 1971 ዓም ኣብ ማይ ቅነጣልን ካልኦት ከባቢታትን ዝተኻየዱ ወፍርታትን ዝተመዝገቡ ዓወታትን ህያዉ ምስክራት ኢዮም።
ተጋዳላይ ህወሓት በዞም ዝተገለፁን ካልኦት ኣብዚ ዘይሰፈሩን ወታደራዊ ስርሒታት ዘመዝገቦ ዓወትን ጅግንነትን ብኣንፃሩ ኣብ ምጥንኻር እቲ ዉድብ ዓብይ ትርጉም ነይርዎ።
ብመሰረት እዚ ድማ ህወሓት ከም ዉድብ ሃለዋቱ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያን ጎሮባብቲ ሃገራትን ካልኦት ጭቁናት ህዝብታትን ክፍለጥ፣ሕፅረት ዕጥቂ ሰራዊቱ ከማልእ፣ወታደራዊ ተመኩሮ ክሰንቕ፣ዝሓዞ ዕላማ ሰዓራይን ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ ምዃኑ ከመስክር ኣኽኢልዎ እዩ።
ካብዚ ሰፊሕ ዉቅያኖስ ብጭልፋ ንምርኣይ ዝኣክል እዩ....
ድሕሪ 1971 ዝተኻየዱ ዓበይቲ ወፍርታት ክቕፅሉ ኢዮም ..........
11/02/2022
💊💊
09/02/2022
✊🏽✊🏽✊🏽...........
08/02/2022
11 ለካቲት ንህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ትርጉም ዘለዋ መዓልቲ እያ። ህዝቢ ትግራይ ንዘበናት ይበፅሖ ዝነበረ ደርባዊ ዕብለላን ብሄራዊ መፅቀጥቲ ክናገፍ፣ ወፅዓ ዝወለዶ ክርፋሕ መናባብሮ ክማሓየሽ፥ ጨቋኒ ስርዓት ኣፍሪሱ ሓዱሽ ስርዓት ክሃንፅ ተወዲቡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ወሸን ኢሉ ኣብ በረኻ ደደቢት ናይ መጀመሪያ ርችት ሓርነት ኣብ ወርሒ ለካቲት ተኲሱ። ድሕሪ መስተንክራዊ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ድማ ዓወት ናይ ግድን ኮይኑ 11 ለካቲት ድማ ብርሃን ውፅዓት መዘከርታ ፍረ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ትግራይ ኮይና በብዓመቱ ብኽብሪ ትበዓል። ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና✊🏽💊
06/01/2022
#ትግራይ
05/01/2022
ሓየት ሰራዊት ትግራይ ልእኽትኡ ዝፍፅመሉ ብቕዓትን ቁመናን ወኒኑ ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ይርከብ ከምዝርከብ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ገሊፁ።
መቐለ :27 ታሕሳስ 2017 ዓም (ድ.ወ.ት) ሰራዊትና ካብ ኣፍደገ በሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተመለሰሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ንሰላም ቀዳምነት ብምሃብን ፖለቲካዊ ውሳነ ከም ዝኾነን እውን ተዛሪቡ።
ሰራዊት ትግራይ ምእንተ ሰላም ክብል ተቖፃፂርዎም ካብ ዝነበሩ ከባብታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ተመለሰ ኣብ ልዕሊ ተሃንዲዶም ዝመፁ ፀላእቲ ከቢድ ክሳራ የብፅሕ ከም ዘሎ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ገሊፁ።
ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምፅናት ዓሊሞም ኣብ ክባን ዕፅዋን ኣእትዮምዎ ዘለዉ ታሪኻውያን ፀላእቱ ብቕልፅሙ ከም ዝስዕሮም ዝገለፀ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ህዝቢ ትግራይ መግዛእቲ ዘይቕበልን ገጢምዎ ንዘሎ ፈተና እውን ስዒርዎ ከም ዝወፅእን ገሊፁ ኣሎ።
04/01/2022
“--- ሓደ ግልፂ ክኸውን ዝግበኦ ነገር ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ፣ ዘሎን ዝቕፅልን ህዝቢ እዩ፡፡ ኣብ ነብሰ ወከፍ መዋእሉ ንህልውንኡ ስለዘይደራደር ናይ ባዕሉ መራሕቲ ይፈጥር፡፡
ፖለቲካዊ መራሕቲ፣ ወተሃደራዊ መራሕቲ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ምንቅስቓስ ዝቆፃፀሩ መራሕቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ወዘተ - - - ነይሮምዎ፤ ሕዚ እውን ኣለዉዎ።
እቲ ህዝቢ ከምህዝቢ ዝቐፀሎ እኮ ባዕሉ ንባዕሉ መራሕቱ እናፈጠረ፣ ነቲ ኩነታት እናረኣየ፣ ነቲ ኩነታት ዝምጥን ቃልሲ እናገበረ፣ መስዋእቲ እናኸፈለ እዩ ሓሊፉ፡፡ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣይምብርከኽን፡፡
በብመዋእሉ ብዙሓት ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ስርዓቱ ሓልዩ ዝኸይድ፣ በብመድረኹ ከቢድ ክሳራ እናኸፈለ፣ ህይወቱን ንብረቱን፣ ኣካል ታሪኹ ዝኾኑ ቅርስታቱን ካልኦትን ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈለ ግን ድማ ከይተምበርከኸ ዝፀንሐ ህዝቢ እዩ፡፡ እቲ ዋና ባህሉ ከዓ ንሱ እዩ፡፡ ብስሩ ዘይምብርከኽ ምዃኑ ዘረጋገፀሉ እዩ፡፡
ኣብ ገጠርን ከተማን፣ ደጉዓን ቆላን፣ ደቡብን ምዕራብን፣ ሰሜንን ምብራቕን ኣብ ኩሉ ብዝተወደበን ብዘይተወደበን መንገዲ እናተቓለሰ፣ ዝሓሸ ውዳበ እናፈጠረ፣ ውድቀት እውን እናጋጠሞ ግን ካብ ውድቀቱ ተማሂሩ እናተልዓለ ዝመፀ ህዝቢ እዩ፡፡
ስለዚ ዓወትን ውድቀትን ዝፈልጥ፣ በብግዚኡ ዝገጠምዎ ፈተናታት ተቓሊሱ ብዓወት እናሰገረ ዝመፀ፣ ስነ ልቦናዊ ዓወት ዘለዎ፣ መስዋእቲ ከፊሉ ብብሄራዊ መንነቱን ክብሩን ዘይደራደር ህዝቢ እዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን እዩ ህዝቢ ኮይኑ ፀኒሑ፡፡”
ተጋዳላይ (ጀነራል) ምግበይ ሃይለ
@ወይን ጋዜጣ
02/01/2022
#ትግራይ ኩሕሎ 💛❤️
28/12/2021
❗️
Before you say you have to .
25/12/2021
እምቢ ንመግዛእቲ ❤️💛
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Telephone
Website
Address
Mekelle