AFD - Alaje Farmers Development Center

AFD - Alaje Farmers Development Center

Share

For Better Tomorrow!

Photos from AFD - Alaje Farmers Development Center's post 17/09/2026

| ሓሙሽቴኺ ትግራይ 01

"ግራውቶም ዳስተዩ ሓዲግናዮም መፂእና..." 💧🌾

ሓደ በሉለይ... ብወፍሪ ሓሙሽቴኺ ትግራይ ኣቢልኩም ናይ ሓደ መዓልቲ ቡንኩም ወፃኢ ንሓረስቶት ትግራይ ውህብቶ ሃቡልና ፤ ንሕና ማይ ገይርና ግራውቶም ከተርክሱ ፣ ሓሪሶም ክበልዑ ፣ ዘሪኦም ክዓፅዱ... ናጋ ብተስፋ ክፅበዩ ክንገብረለን ኢና ዶ ኢልናኩም ነይርና ሓቀይ... ይሀው በተን ውህብቶኹም ናይ መጀመርያ ጉድጓድ ማይ ፀጊንና ናብ ስራሕ ኣእቲና ኣለና። 💪🏾😍

#ሓሙሽተኹም ኩላትኩም... 🫸🏾🫷🏾

ፍቕርኹም ፣ ሓልዮትኩም ፣ ልግሲኹም ማይ ኾይኑ ግራት ሓረስቶት ከርሕስ ፣ ልቢ ወለድኹም ብተስፋ ከተርክስ ጀሚሩ ኣሎ። ይክኣል እዩ ዝበልናኩም ፤ ናእማን ስለዝክኣል እዩ።

እዛ ትርእይዋ ዘለኹም ፤ ሕዚ AFD - Alaje Farmers Development Center ፀጊኑ ናብ ስራሕ ኣእትይዋ ዘሎ (ፈላመይቲ ህያብ ሓሙሽተኺ ትግራይ❤️) ጉድጓድ ማይ ከርሰ-ምድሪ ኣብ ወረዳ ሱብሓ-ሳዕስዕ ፣ ጣብያ ኩማ ሰውሓ ትርከብ እያ። ብውሑዱ 12 ሄክታር ተልምዕ ፣ ግራውቲ 39 መራሕቲ ስድራ (ልዕሊ 200 ትንፋስ) ብዘይምቁራፅ ክተስትይ ፣ ፀገም ማይ መስተን ቐለብን እንስሳታቶም ክትፈትሕ ዓቕሚ ዘለዋ እያ። ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመት እያ ብብልሽት ምኽንያት ጠጠው ኢላ ፤ ኣብ ዙርያኣ ዘለው ሓረስቶት እውን ዓይኒ-ዓይና ዳረአይዋ ክጥቀሙላ ከይክኣሉ ህልውንኦም ኣብ ዝናብ ሰማይ ተንጠልጢሉ ፀኒሑ። ሕዚ AFD ካባኹም ብዘተኣኻኸቦ ንኡሽተይ ዝመስል ውህብቶ ሓዱሽ ዓመት ኣፀጊኑ ናብ ስራሕ ኣእትይዋ ኣሎ ፤ ማይ ብለይምቁራፅ ክትተፍእን ሓረስቶት ዳተቐባበሉ ግራውቶም ከስትዩላን ጀሚሮም ኣለው። በዙይ ፍጥነት እዙይ ውፅኢት ምርኣይ ከመይ ድዩ ደስ ይብል... ድኻምካ ኩሉ እዩ ዘረስዐካ። 🫂🥰

ሓረስታይና ሕዚ ስፍሪ ቐለብ ወርሒ ክልተ ወርሒ ኣይኮነን ዘድልዮ ፤ ሓሪሱ ብዘላቕነት ዓርሱ ዝኽእለሉ ኣንፈት ክሕዝ ክሕገዝ እምበር። እዙይ እዩ ንትግራይ ዘዋፅኣ ፤ እዙይ እዩ ንትግራይ ዘድሕና። ሕድሕድ ዓቕሚ ትግራይ ኣብዙይ እዩ ክፈስስ ዘለዎ። ወፍሪ ሓሙሽቴኺ ንትግራይ ድሮ ሓረስቶት ትግራይ ፍሽኽ ከብል ፣ ተስፋ ክቛፅሩ ክገብር ጀሚሩ ኣሎ... ናጋ ኣብ መላእ ትግራይ ክባፃሕ እዩ።

ትግራይ ሓሪሳ ክትበልዕ እያ!
ቃልና ብተግባር ክነርእይ ኢና!
ሓሙሽተኹም!

☕ ሓንቲ ቡን ለግሱ።
💧 ማይ ንሓረስቶትና ንሃቦም።
🌱 ናብ ግራውቶምን ሕርሽኦምን ንመልሶም።
🌾 ትግራይ ሓሪሳ ትብላዕ ፤ ካብ ተፀባይነት ትድሓን።

AFD - Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
ንተወሳኺ ሓበሬታ ቁፅሪ WhatsApp +251900967748

ቐፅሊ ኣብ ካልእ ጫፍ ትግራይ ፤ ኻልእ ፍሽኽታ ሒዝናልኩም ክንመፅእ ኢና።

ዳይ ንቐፅል... 🚙🌾💚

👋🏾
🚜
💧

12/09/2026

☕ ሓንቲ ቡን ለግሱ።
💧 ማይ ንሓረስቶትና ንሃቦም።
🌱 ናብ ግራውቶምን ሕርሽኦምን ንመልሶም።
🌾 ትግራይ ሓሪሳ ትብላዕ ፤ ካብ ተፀባይነት ትድሓን።

AFD - Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
ንተወሳኺ ሓበሬታ ቁፅሪ WhatsApp +251900967748

ህያብ ሓድሽ ዓመት ንሓረስቶትና 🖐🏽💙

👋🏾
🚜
💧

12/09/2026

ሓድሽ ዓመት 🌼 | ሓድሽ ተስፋ 🌱

ሓድሽ ዓመት እንትመፅእ ፣ ሓድሽ ተስፋ እውን ሓቢሩ ይመፅእ። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንሓረስቶትና እቲ ክባር ህያብ ንሃብ - ማይ! 💧

ንሓደ ሓረስታይ ማይ ማለት መሬት ፣ ምህርቲ ፣ ህይወትን ተስፋን ማለት እዩ። ዋጋ ሓንቲ ቡንና ናይ ሓድሽ ዓመት ህያብ ገይርና ንሓረስቶት ወለድና ንሃብ። ተሓባቢርና ማዮም ንመልሰሎም ፤ ናብ ናብ ግራውቶም ንመልሶም። 🌱

☕ ሓንቲ ቡን ለግሱ!
💧 ማይ ንሓረስቶትና ንሃቦም!
🌱 ናብ ግራውቶምን ሕርሽኦምን ንመልሶም!
🌾 ትግራይ ሓሪሳ ትብላዕ ፤ ካብ ተፀባይነት ትድሓን።

AFD - Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
ንተወሳኺ ሓበሬታ ቁፅሪ WhatsApp +251900967748

ህያብ ሓድሽ ዓመት ንሓረስቶትና 🖐🏽💙

👋🏾
🚜
💧

09/09/2026

👋🏾

💧 $5 THAT BRINGS LIFE

What is $5 to you?

Perhaps a coffee. A snack. A small expense you barely notice.

But for a farmer back home, that same $5 can help bring water back to a field, a harvest back to a family, and hope back to a community.

Across our rural communities, farmers have land. They have the will to work. They have the knowledge to cultivate.

What they are missing is water.

Broken and damaged rural water installations have left countless farmers unable to produce, leaving families struggling to rebuild their lives.

We believe the answer cannot always be another handout.

That is why AFD is launching:

💧 $5 THAT BRINGS LIFE

We are calling on our brothers and sisters in the diaspora; and everyone who cares about the future of our rural communities, to contribute just $5.

Not because $5 is a lot.

But because millions of small acts of solidarity can create something enormous.

☕ Give up one coffee.
💧 Bring water back.
🌱 Put a farmer back in the field.
🌾 Bring a harvest back home.

We are not asking you to feed a family for a day. We are asking you to help restore the water that can help a family feed itself for years.

💙 Give $5. Bring Water Back. Bring Life Back.

AFD - Alaje Farmers Development Center
👉CBE 1000685803635
For more information WhatsApp +251900967748

09/09/2026

ይክኣል እዩ... ✌🏾🌾

እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ዋላ'ኳ ናይ ኣየር ፀባይ ምዝባዕ (El Niño) ዝፈጠሮ ይኹን እምበር ፈፂሙ ክፍታሕ ዘይኽእል ኣይኮነን።

ማይ ካብ ሰማይ ጥራሕ ክንፅበ ምፅናሕና እዩ እዚ ድርቂ ክጋደድ ገይርዎ ዘሎ። ብዙሕ ሄክታር ከልምዓ ዝኽእላ ማሽናት ማይ ከርሰ ምድሪ (water pumps) ብሰኣን ቅሩብ ፅገና ኣብ ግልጋሎት ብዘይምውዓለን ኣብ ጥቓአን ዘሎ መሬት ክለምዕ ከምዘይካኣሉ AFD ኣብ ዝገበሮ ዳህሰሳ ገሊፁ ኣሎ።

እዘን ማሽናት ብቁሩብ ገንዘብ ክፅገናን ብዙሕ መሬት ከልምዓን ዝኽእላ እየን። ብዙሕ ሓረስታይ ድማ ብዘላቅነት ካብ ጥምየትን ጭንቂን ይገላግላ።

እዘን ማሽናት ተፀጊነን ፣ ሓረስታይና ካብ ድርቂ ድሒኑ ብዘላቕነት እግሪ ንኽተክል ድማ ናይ ኲላትና ሓገዝ ይደሊ ኣሎ። ሓረስታይና ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ማይ ተጠቒሙ ሕርሽኡን ህይወቱን ንኸድሕን ተሓባቢርና እዘን ማሽናት ንፀግነን። ንዓና ናይ ሓንቲ ቡን ዋጋ ፤ ተኣኪባ ግራውቲ ሓረስቶትና ክተተርክስ ፣ ህይወት ክትዘርእ ትኽእል እያ።

ዝሓበራያ ኣፃብዕትስ... ከምዝበሃል ፤ ንሓረስታይ ምድጋፍ ንባዕልኻን ንቤተሰብኻን ምድጋፍ እዩ እሞ ኢደይ ኢድኻ ንበል።

ኣነ እንታይ ክገብር ይኽእል...!?
[ኩላትና ዓርስና ንሕተት]

AFD - Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
ንተወሳኺ ሓበሬታ ቁፅሪ WhatsApp +251900967748

👋🏾
#ሕድሕድንጣብማይ💧
↩️

09/09/2026

ንሓረስቶትና ካብ እኽሊ ምስፋር ናብ እኽሊ ምፍራይ ነሰጋግሮም ፤ ማይ ነቕርበሎም። ብዘላቕነት ካብ ድርቂን ተፀባይነትን ነፋትሓዮም።

ሕድሕድ ዓቕምታትና ፀንቂቕና ኣብኡ ነውዕል... ረድኤት ሞት የናውሕ እምበይ ካብ ሞት ኣየድሕንን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ቁፅሪ WhatsApp +251900967748
AFD - Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635

09/09/2026

✋🏾

$5 ወይ 500 ብር እንታይ ትገብሩላ ትኽእሉ...?

ቡን ትዕድጉላ ፣ ችፕስ ፣ ኩኪስ ትበልዑላ ፣ ለስላሳ ትሰትዩላ...

ህይወት ሓረስታይ ትግራይ ክትቅይሩላ ተኽኢልኩም ከ...!?

$5 ወይ 500 ብር ሕዚ ንሓረስቶት ትግራይ መሊሶም ማይ ኽረኽቡ ፣ ግራውቶም ሓሪሶም ክዘርኡን መሊሶም ፅባሕ ብተስፋ ንኽፅበዩን እኽልቲ ምኽንያት ክትከውን ትኽእል እያ።

ኣብ ገጠራት ትግራይ ሓረስቶትና ሕዚ መሬት ኣለዎም ፣ ጉልበት ኣለዎም ፣ ፅዒሮም ደኺሞም ብፅፍሮም መሬት ኲዒቶም እኽሊ ከብቁሉ ዘኽእል ውፍይነት ኣለዎም... መሬቶም መዓዝ እንታይ ሂቦምዎ እንታይ ይህቦም 'ውን ኣፀቢቖም ይፈልጡ እዮም።

ሓደ ዘይብሎም ነገር እንተሃለወ... !

ማይ ድማ ኣሎ እዩ!💧
ተሰሪሖም ተወዲኦም ሰኣን እኹል ፅገናን ክትትልን ፤ ማይ ተሓቑፎም ንዓመታት ግልጋሎት ከይሃቡ ኾፍ ዝበሉ ብጣዕሚ ብዙሓት ጎዳጉዲ ማይ ከርሰ ምድሪ ፎቖዶ ገጠራት ትግራይ ተዘሪኦም ይርከቡ። AFD ምስ ዝምልከቶም ሰብ-ብፅሒት ኣካላትን ሰብ-ሙያን ብምትሕብባር ፤ እኹል ፅንዓትን ምድላውን ገይሩ እዞም ጎዳጉዲ ብዝተዋደደ ትካላዊ መንገዲ ፀጊንካን ዝጎድሎም ኣቑሑት ኣማሊእኻን + መበገሲ ዝኸውን ነዳዲ ፣ ዘርኢን መዳበርያን ኣቕሪብካን ሓረስቶትና መሊሶም ንኽሓርሱ ፣ መሊሶም ፍሽኽ ክብሉ ፣ መሊሶም ተስፋ ንኽገብሩ... ካብ መረረት ፣ ምስቁንቋንን ተፀባይነትን ወፅዮም ብዘላቕነት ዓርሶም ንክኽእሉን ንምግባር ዝዓለመ ወፍሪ ጀሚሩ ኣሎ።

ኩሉ ኣብ ደገን ውሽጢን ዝነብር ትግራዋይ እታ ዝነኣሰት መዓልታዊ ናይ ቡን ወፃኢኡ ብምውፋይ ፤ ካብ ብዙሓት ቅኑዕ ልቢታት ዝመፃ ብዙሓት ኣናእሽተይ ሓገዛት ተኣኪበን ማዕበል 🌊 ኾይነን መሬት ትግራይ ከተርክሳ ይኽእላ እየን።

☕ ሓንቲ ቡን ለግሱ!
💧 ማይ ንሓረስቶትና ንሃቦም!
🌱 ናብ ግራውቶምን ሕርሽኦምን ንመልሶም!
🌾 ትግራይ ሓሪሳ ትብላዕ ፤ ካብ ተፀባይነት ትድሓን!

ዋጋ ሓንቲ ቡንኩም... ንሎምዘበን ጥራይ ኣይኮነን ፤ ብዘላቕነት ሓረስቶት እግሪ-ክተትክል ትኽእል እያ።

ብ $5/500 ብር ህይወት ንዝራእ!

💚 $5/500 ንዓና ቡን እያ ፣ ንዐዖም ግን ህይወት እዩ... ንዐዖም ግን መፃኢ እዩ!

ሓረስታይና እታ ትጎድሎ ሓንቲ ወሳኒት ነገር ፤ ማይ... መሊስና ንሃቦ።

በዙይ ሒሳብ ቁፅሪ ኣታዊ ገይርኩም ደረሰይ ልኣኹልና... ኣኪብና ህይወት ወለድና ክንዘርአሉ ኢና። ንኡሽተይ ትመስል ሓልዮት ፣ ፍቕሪ ፣ ሓገዝ... ተኣኪባ ህይወት ክትሰርዕ ክትርእይዋ ኢኹም:-

AFD - Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
ንተወሳኺ ሓበሬታ ቁፅሪ WhatsApp +251900967748


#ሕድሕድንጣብማይ
#ዘላቒመፍትሒ

ኣንፈትና ንቐይር ↩️

31/08/2026

ሓደ ኣንፈት መዋፅኦና . . .

ትግራይ ኣጋጢምዋ ዘሎ ኽብድ ዝበለ ሳዕቤነ-ብዙሕ ድርቂ ዋላኳ ድሒሩ እንተኾነ ፤ ብውሱን መልክዑ ዝተረድአና ይመስለኒ !
ነዚ ውን ከም ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት ቅድሚ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ከም ትካል እናቃልሐን መፍትሒ ዝብሎም ዋኒናት እናሳለጠን መፂኡ'ዩ።
ንሕዚ ውን ጎናጎኒ ምቅላሕ ሙሉእ ዓቕሙን ግዚኡን ዛዕብኡን ኣብ #መዋፅኦ ብምግባር ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ፦
👉ኣብ ምኹዓት ማይ
👉ኣብ ፅገና ዝተደፈና ጎዳጉዲ
👉ኣብ ምፅጋን ማይ ፓምፕ
👉ኣብ ምዕዳግ ማይ ፓምፕን
👉ስልጠና ሓረስቶትን መሰረት ዝገበረ ከምቲ ልሙድ ኣብ ዘላቕን ምዝማንን ምንቅስቓስ ክቕፅል'ዩ ፤ ነዙይ ውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ኣብ ምእካብ ሓበሬታ ፣ ኣብ ሕድሕድ ወረዳ ዘለው ፅገናን ኣቕርቦትን ዘድልዮም ብከፊል ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ዩ።
ኣብዚ ዘይሓስስ ዓሻራኹም ክተንብሩ ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት AFD - Alaje Farmers Development Center ፦
ብማሕበር ፣ ብውልቀ ፣ ብትካልን ካልእን ዝተወደብኹም ሓቢርኹምና ኣብዚ መዋፅኦ ኣንፈት ክትሰርሑ ፣ ሓሳብኹም ክትህቡ ፣ ኣስተዋፅኦ ክትገብሩ መፀዋዕታ የቕርብ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ቁፅሪ WhatsApp +251900967748
AFD - Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
👉ባንኪ ኣንበሳ
00113097840

31/08/2026

ሰናይ ናይ ስራሕ ሰሙን ይግበረልና! 🌼🌾

ተፈጥሮኣዊ ዑደት ከባቢና እናተቐየረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሓደ ካብቶም ንወቕቲ ዝናብን ሕርሻን ዓድና ብዓብይኡ ዝፀልው ዘለው ተፈጥሮኣዊ ፍፃመታት ኤልኒኖ (El Niño) እዩ።

🌍 ፅልዋ ኤልኒኖ፦

• ኣብ ሕርሻ፡ 🌱
• ኣብ ማይ፡ 💧
• ኣብ ጥዕና፡ 🏥

እንታይ ክንገብርን ክንከላኸልን ንኽእል?
• ማይ ምቁጣብ
• ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዝበፅሑ ዘርእቲ ምዝራእ
• ሓበሬታ ምሃብ
ሓቢርና ብምስራሕ ንዝኾነ ተፈጥሮኣዊ ፈተና ክንሰግሮ ንኽእል ኢና።
ብሩኽን ኣፍራይን ሰሙን ይግበረልና! 💚🌱
AFD - Alaje Farmers Development Center
🌾

27/08/2026

ኣብ 100 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ "ሱፐር ኤልኒኖ " (Super El Niño) 🌍

መጽናዕቲ BBC፣ Met Office ን WMO ን ከም ዝሕብሮ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ውቅያኖስ ፓሲፊክ ዝርአ ዘሎ ኤልኒኖ (El Niño) ኣብ ታሪኽ እቲ ዝሓየለን ዝዓበየን ብምኾን ዓለማዊ ናይ ኣየር ኩነታት ብብርቱዕ እናዛብዐ ይርከብ።

🌐 1. ዓለማዊ ፅልዋ (Global Impact)

፦ ብዓለማዊ ደረጃ ዝለዓለ ሙቐት ብምፍጣር 2026/2027 ኣብ ታሪኽ እተን ዝወዓያ ዓመታት ክኾና እየን።

• ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ፣ ኤስያን ደቡብ ኣፍሪቃን፦
፣ ምንቃፅ ማይን ባልዕን ከስዕብ እንከሎ ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ድማ ዘይተሓሰበ ውሕጅ ይፈጥር።

• ፦ ስሩዕ ናይ ዝናብ ወቕትታት ብምዝባዕ ንሕርሻን ምህርትን ዓብይ ስግኣት ይኸውን።

🇪🇹 2. ኣብ ኢትዮጵያ (ትግራይ) ክህልዎ ዝኽእል ፅልዋ፦
• ምድንጓይን ምቁርራፅን ዝናብ ክረምቲ፦

ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ (ብፍላይ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን) ናይ ክረምቲ ዝናብ ኣብ ግዚኡ ብዘይምዝናቡን ኣብቲ ዝዘነበ ድማ መጠን ዝናብ ውሑድ ምኳኑን ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዝኣትው ምህርቲ ሓያል ሕፅረት የስዕብ።

• ሓደጋ ድርቅን ሕፅረት ምግብን፦ እዚ ምስ ዝሓለፈ ናይ ኩናት ፅልዋን ናይ ሕዚ ውን ኣንፃራዊ ሰላምን ኽልከላን ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድርቂ ተደሚሩ ኣብ ሕርሻን ዝራእትን ከቢድ ፀቕጢ ይፈጥር።

• ምዝባዕ ወቕቲ (ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ)፦ ኣብ ደቡብን ደቡብ-ምብራቕን ኢትዮጵያ ድማ ድሕሪ ድርቂ ብሓደ ግዜ ብዝመፅእ ሓያል ውሕጅ ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣግራብን ክጎድእ ከም ዝኽእል ይትንበይ።

ምዝባዕ ኣየር ንብረት ዓለምለኻዊ ፈተና እዩ፤ መፍትሒኡ ድማ ካብ ከባብያዊ ስራሕቲ ይጅምር።
ፅልዋ ኢልኒኖ ንምቕናስ ብዝተወደበን ዝተናበበን መስርሕ ክንኸይድ ኣለና ። ብተወሳኺ ፀገም ትግራይ ንድሓር'ዩ ፤ ድሕሪ ውሱናት ኣዋርሕ ፤ ስለዚ ዝተናበበ ፣ ዝተዋደደ ፣ ዝተፀንዐን ዝተዋህለለን ዓቕሚ ኣንፈት መዋፅኦና ክንገብሮ ይግባእ።
AFD - Alaje Farmers Development Center ምስ መዳርግቲ ኣካላትን ሓረስታይን ብምኳን ነዚ ፈታኒ እዋን ንምስጋር ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ቐፃሊ እዩ።
🌾

Address

Tigray
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when AFD - Alaje Farmers Development Center posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Subscribe

We will notify you when anything happens in Mekelle.