Tigray Reporter

Tigray Reporter

Share

Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Reporter, Public Figure, Aksum.

fb.me 21/04/2026

fb.me

21/04/2026

ካብ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ትግራይ ካብ ዝተኣደነላ ዳግማይ ዑደት ጥፍኣት ንምድሓን ዝቐረበ ፃውዒት!

ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ኩለመዳያዊ ቕልውላው ካብ ዓቕሚ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንላዕሊ ዝተሓላለኸን ሓባራዊ ብሄራዊ መፍትሒ ዝጠልብን ኮይኑ እናሃለወ፤ እቲ ብህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ሸቀጥ ዝለመደ ጉጅለ ህወሓት ግና፣ ኣብ ክንዲ ንኹሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳትፍ ቅቡል "ሓቋፋይ ብሄራዊ ናይ ስግግር መንግስቲ" ንምጥያሽ ሓጋዛይ ሚና ምፅዋት፣ ነቲ ግዚኡ ዝሓለፎ፣ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ብሰንኪ እቲ ዝሓለፈ ፅንተታዊ ኲናት ፈሪሱ ዝሓገየን ናይ 2013 ዓ.ም "መንግስቲ መሊሰ ኣለኹ" ዝብል ፖለቲካዊ ቅየዐ ጀሚሩ ኣሎ።

ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)፣ እዚ ብውሑዳት ዝተኣወጀ ውሳነ ብሓደ ወገን ንሉኣላዊ ስልጣን ህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ዝጥሕስን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘፍረሰን ሓይለ-መልጣዊ ምንቅስቓስ ብምዃኑ፣ ብካልእ ወገን ድማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓስ ህዝብና ናብ ካልእ ዙር ሓደጋ ኲናት ዝመልስ ቅሉዕ "ኣዋጅ ጥፍኣት" ብምዃኑን ፣ ነዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘይሕጋዊ ውሳነ ብትሪ ይኹንኖ።

ዓቕምታት ትግራይ በታቲኑ፣ ሃዲኑን ኣሳዲዱን ዘይምነዎ እዚ ጉጅላዊ ረብሕኡ ንምውሓስ ጥራይ ዝተሰለፈ ካብ ስሕተቱ ዘይመሃር ሓይሊ፤ ታሪኻውያን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ መሓዝቱ ብምግባር፣ ትግራይ በዓል ዋና ናብ ዘይኮነትሉ ናይ ባዕዳን ኲናት ክጥሕላን ህዝብና መጋበርያ ኲናት ክገብርን ጀሚርዎ ዘሎ ፀደፍደፍ፣ ንወለዶታት ትግራይ ናብ ዘይለኣም መከራ ዝዳጉንን ስቓይ ህዝብና ዘናውሕን እምበር ብሄራዊ መዋፅኦና ኣይኮነን።

ብምኳኑ እውን ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ህዝብና ካብ ዝተደገሰሉ ቀፃሊ ዘይዛሪ ብርሰት ንምድሓን ከም ዝስዕብ ይፅውዕ ;-

1.ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትርከብ መላእ ህዝብና፣ ነዚ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዘፍርስን ናይ ጥፍኣት ውሳነ ብሓደ ድምፂ ብትሪ ክትነፅጎን ብፅንዓት ክትቃለሶን ፃውዒትና ነቕርብ።
2. ኩሎም ፖለቲካዊን ፀጥታውን ሓይልታት ትግራይ፣ ኣፈላላዮም ንጎኒ ወንዚፎም ኣብዚ ግዘ ዘይውህብ መድረኽ ብምዕሳል፣ ህዝብናን ዓድናን ካብቲ ዝተጠጅአሉ ጥፍኣት ንምድሓን ብሓባር ክሰርሑን ብሄራዊ ግቡኦም ክዋፅኡን ንፅውዕ።
3. ማሕበረሰብ ዓለም ብወገኑ ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝተኣደነሉ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ንክድሕን፣ እቲ ቐጠና ድማ ናብ ካልእ ዙር ሕምስምስ ንከይምለስን ዲፕሎማሲያዊ ፅቅጢ ብምሕያል እቲ ውዕሊ ከይተሸራረፈ ብምሉእነት ንክፍፀም ክደፍእ ፃውዒትና ነቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ደገ ፖለቲካዊ ፅልዋ ነፃ ዝኾነ ብሄራዊ ምርግጋእ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ከምዝቐጽል የረጋግፅ።

ወሎዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ !
ውድብ ወለዶ ትግራይ
13 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም
መቐለ

Photos from Teame Aredom's post 30/03/2026
28/03/2026

ብገበታ ሓሶት ዝዕበለኽ መትከል የብልናን፡
ወለዶ ትግራይ ኣብ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመልኪቱ ምስ ፌደራልን ዝገበሮ ቃልስን ድርድርን ዝሃቦ መብርህን ሓቂ እዩ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ምሰ ኣምባሳንደር ኣሜርካ ማስንጋ ዘትዩ ዝብል ግን ገበታ ሓሶት ምኻኑ እንዳገለፅኩ ወለዶ ኣብ ናይ መፃኢ ኣንፈታትን ቃልሰታትን ትግራይ ብልዑል ትዕግስቲ ከም ዝሰርሕ እንዳሓበርና ውድብና ገና ካብ ጅምሩ ብገበታ ሓሶት ዝዕብለኽ መትከል ከም ዘየብሉን ትርጉም ከም ዘይህቦን ክንገልፅ ንፈቱ።

25/03/2026

ንመላእ መንግስቲ ሰራሕተኛ ትግራይ እንኳዕ ደስ በለካ!

ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ብተደጋጋሚ ብዘካየዶ ተሪር ሰላማዊ ቃልስን ዲፕሎማሲያዊ ድርድርን መንግስቲ ፌደራል መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ትግራይ ብቕልጡፍ ንክልቀቕ ወግዓዊ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ውድብና መሃያ ሰራሕተኛታት ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ነፃ ብዝኾነ መንገዲ ብቐጥታ ናብ ውልቀ ሒሳብ ባንኪ ንክኣቱ ዘቕረቦ ግብራዊ መፍትሒ ተቐባልነት ዝረኸበ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ቴክኒካዊ መስርሕ ንምዝርጋሕ ዝወስድ ግዜ ንዕለታዊ ህይወት ሰራሕተኛታት ናብ ሓደጋ ህልውና ከየእትዎ ብምስጋእ እቲ ክፍሊት ብህፁፅ ንክፍፀም ብዘካየድናዮ ዘተ እቲ ውሳነ ክፀድቕ ተገይሩ ኣሎ።

እዚ ብዘተን ልዝብን ዘይፍታሕ ፖለቲካዊ ፀገም ከምዘየለ ዘረጋገፅ ውሳነ ምኻኑ ዝኣምን ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ ፡
ኣብ መወዳእታ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ካብ ፍቓድካ ወፃኢ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ዘይሕጋዊ ምቁራፅ መሃያ ተወዲብካ ንክትቃለስ ፃውዒትና እናቅረብና ውድብና መሰል ሰራሕተኛታት ብዘላቒ መንገዲ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሱ ኣሐይሉ ከምዝቕፅል የፍልጥ።

ወለዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)
16 መጋቢት 2018 ዓ.ም
መቐለ

24/03/2026

እዚ ሎሚ ብጉዳይ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመኻኒዩ ብሰበ-ህወሓት ዝተዳለወ ሰልፊ ነቲ ፍትሓዊ ሕቶ ንርካሽ Political scoring ንምጥቃም ዝተገብረ ድራማ እዩ።

ስትራቴጂክ መራሕትና(😂) ብሰልፊ ተደናጊፁ ሕቶ ዝምልስ መንግስቲ ከም ዘለና፤ ደሞዝ ተኸልኪሎም ንዝተፀገሙ መማህራንን መሳኪን ህፃውንቲ ተምሃሮን፣ ዓበይቲ ባነራትን ጭርሖታትን ኣሸኪሞም ኣብ ሃሩር ፀሓይ እናኣንከራተቱ ኣውዒሎምዎም ኣለው።

ሓደ ዓይነት ስሑት ተግባር ብተደጋጋሚ እናተግበርካ ዝተፈለየ ውፅኢት ምፅባይ Political insanity እዩ። ናይ ሎሚ ሰልፍታትን ሆሆታትን መቐፀልታ ናይቲ ትማሊ ዝፈሸለ ኣካይዳ ምዃኑ ምግንዛብ ኣየፀግምን።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ብተደጋጋሚ "መሰል ዓርሰ ውሳነና"፣ "ሕገ-መንግስቲ ይከበር" እናበልና ዘካየድናዮም ዘየቋርፁ ናይ ሰልፊ ሆሆታት፡ ካብቲ ዝወረደና ዘስካሕክሕ ፅንተትን ዕንወትን ከድሕኑና ኣይከኣሉን። ትማሊ ዘየድሓነን ዘየዕቆበን ናይ ዳንኬራ ፖለቲካ፡ ሎሚ እውን ዝቕይሮ ጭቡጥ ሓቂ የለን።

ኣብ ክንዲ ንሓቀኛ ዘተ፣ ልዝብን ፖለቲካዊ ድርድርን ቅሩብ ምዃን፤ ብዕንቅፅና ናይ ምስሉይነት ሰልፍታት ምግባር ፀገም ህዝቢ ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ዝፍይዶ የለን። እዚ ብስም ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ሰልፍታት ነቲ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘሎ ርክብ ካብ ምትሕልላኽን ምክራርን ብዝሓለፈ፡ ዘረጋግፆ ረብሓ ኮነ ዘኽብሮ መሰል ፈፂሙ የለን።

ምስ ሓቂ ተሳነዩ !

23/03/2026

ህወሓት ምስ ሻዕብያ ብሽም 'ፅምዶ' ጀማሚርዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕጥራን፡ እቲ ሓይሊ ማዕረ ክንደይ 'Politically Naive' ምዃኑ ብግልፂ ዘርኢ እዩ። ንዝኾነ ይኹን ዕላማ፡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ምስ ሻዕብያ ምፅማድ ፖለቲካዊ ዓርሰ-ቅትለት እዩ።

ኣብ ደንበ ፅምዶ ዝነብሑ ኮራኩር ሻዕብያን ህወሓትን፤ ኣብ ኣድላይነት እዚ ፅምዶ ክልተ ምኽንያታት ይጠቕሱ፦

ሓደ ፅምዶ ንዲተረንስ (Deterrence) ምጥቃም ዝብል እዩ፤
ህወሓት ካብ መንግስቲ ፌደራል ክመፅእ ንዝኽእል ሓበራዊ ናይ ህልውና ሓደጋ ብርሑቑ ንምትራፍ (ንዲተረንስ) ጥራሕ ኢሎም ምስ ሻዕብያ ዝፃመዱ ዘለዉ እንተኾይኖም ዓያሹ እዮም። ስለምንታይ? ጭቡጥ ዝኾነ ሓበራዊ ፖለቲካዊ ዕላማ (Shared Political Goal) ኣብ ዘይብልካ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ሻዕብያ መሓዛ መሲልካ ምርኣይ፡ ነቲ ብባዕሉ ብሻዕብያ ሓዊሱ ዝተፈፀመ ገበን ፅንተት ካብ ምንእኣስ ብተወሳኺ፡ ተኣማንነትን ሓቃውነትን እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ ገበን ናብ ሕቶ ዘውርድ እዩ።
ምኽንያቱ፡ ትማሊ "ናይ ህልውናይ ሓደጋ እዩ" ዝበልካዮ ሓይሊ፣ ትማሊ by design ኣብ ልዕሊ ብሄርካ ፅንተት ብምፍፃም ዝኸሰስካዮ ሓይሊ፡ ሎሚ ተመሊስካ ብሕታዊ እሙን መሓዛኻን ናይ ብሄራዊ ህልውናኻ ውሕስናን ጌርካ ክተቕርቦ ከለኻ ብጣዕሚ politically odd እዩ።

እቲ ካልኣይ ፅምዶ ን 'Regime Change' ዝብል ዕብዳን፤
እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ፅምዶ ካብ ናይ ዲተረንስ ቁማር ፀዋታ ወፃኢ፡ ህወሓት ናይ እማን ምስ ሻዕብያ ፖለቲካውን ወታደራውን ግንባር ፈጢሩ፡ ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት (rebel forces) ኣካኪቡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምፃእ እንተኾይኑ፤ እዚ እውን ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ፖለቲካዊ ዕሽነት(Myopia)እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ወላ ሓደ ኣንፃር ናይ ብልፅግና መንግስቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ሓይሊ ፤ ትግራዋይ ኣብ ወንበር 4-ኪሎ ተሰቒሉ ክርኢ ኣይደልን። ኣብ ህልውና ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ ብሄራዊ ረብሓ ዘለወን ናይ ደገ ሓይልታት እውን እንተኾነ ብሰንኪ ፅምዶ ኢትዮጵያ ክትበታተንን ናብ ቅልውላው ክትኣቱን ኣይደልያን እየን።
So... ተሰኺዑልካ እኳ እንድሕር ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ቀይርካሲ ኣየናይ ናይ ትግራይ ብሄራዊ ረብሓ ዘኽብር ሓይሊ እዩ ነቲ ማእከል ክቆፃፀር ኣሚንካ ክትሓድጎ ? ፋኖ? 😂

06/02/2026

Celebrating my 3rd year on Facebook. Thank you for your continuing support. I could never have made it without you. 🙏🤗🎉

06/02/2026

መንእሰይ ትግራይ፦ ካብ ታሪኻዊ መኸተ ናብ "ልዕልና ሓሳብ" - ንመፃኢ ወለዶ ዝኸውን ኣማራፂ
​ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ፍፃመታት ትግራይ፡
----------------------------
መንእሰይ ወለዶ ትግራይ ብታሪኽ ነቶም ንትግራይ ክገዝኡ ዝመፁ ወረርቲን ዓመፅቲን ሓይልታት እምቢ ኣይግዛእን ኢሉ ዝጋደል ዋልታ መኸተን ንህላወ ህዝቡ ዝሕሉ ፅኑዕ ሓፁርን ኮይኑ ክሳብ ሕዚ ዘለናዮ መድረኽ መፂኡ እዩ ።

እዚ ወለዶ እዚ፡ ካብቲ ታሪኻዊ ገድሊ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ደማዊ ኲናት፡ "ህዝበይን መንነተይን ከመይ የድሕን?" ካብ ዝብል ቅዱስ ዕላማ ተበጊሱ እዩ ሂወቱ ኣወፍዩ እዩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ እናተማሕየሽ ክኸይድ ዝግብኦ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸበደን እናመረረን ይኸይድ ምህላዉ፡ ነቲ ዝተኸፈለ ክቡር መስዋእቲ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ኮይኑ ይርከብ።


​እቲ ንህዝባዊ ረብሓ ተባሂሉ ዝተጀመረ ቃልሲ፡ ሎሚ ኣብ ኢድ ውሑዳት ፖለቲከኛታት ኮይኑ ንረብሓ ውልቀ ስልጣን ጥራሕ ክውዕል ብዓይኒና ንርኢ ኣለና። እቲ "ተጋዳላይ" ዝነበረ መንእሰይ ሎሚ ባዕሉ ናብ ዝፈጠሮም መራሕቲ ኣንቃዕሪሩ ክጥምት ተገዲዱ ኣሎ።

እቲ ዝዓበየ ቁስሊ ግን፡ እቶም ኣካሎም ሂቦም ሰላም ዘምፅኡ ስንኩላን ተጋደልቲ ሎሚ መሰረታዊ ሕክምናን ክንክንን ስኢኖም ኣብ ኣዝዩ ዘሰቅቕ ኩነታት ምህላዎም እዩ። "ምርሳዕ" ከም ዝኸበደ ቁስሊ ኮይኑ ይሰምዖም ኣሎ።

​ብታሪኽ ክንርእዮ ከለና እውን፡ ትግራይ ስዒራን ተሳዒራን ውፅኢቱ ሓደ ዓይነት (ክሳራ) ኮይኑ እዩ ፀኒሑ። ካብ ኲናት ዓድዋ ጀሚሩ፡ ብምፍራስ ደርግን ብኲናት ኢትዮ-ኤርትራን ኣቢሉ ክሳብ እቲ ናይ 2013 ዓ.ም ዝነበረ ኲናት፡ ትግራይ ብፖለቲካዊ ጂኦግራፊኣ እናፀበበትን እናከሰረትን እያ መፂኣ።

እዚ ታሪኻዊ ሓቂ እዚ፡ ፀገማትና ብኣፈሙዝ ብረት ካብ ምእላይ ተናጊፍና ብልዕልና ሓሳብ ክንፈትሕ እንተዘይክኢልና፡ መፃኢ ዕድል ትግራይ ካብቲ ሕዚ ዘለዎ ዝኸፍአ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግመት እዩ።

​ሕዚ እውን ነዚ ካብ ቁስሉ ዘይሓወየ መንእሰይ ናብ ካሊእ ዕንወትን ጥፍኣትን ንምእታው "ላዕሊን ታሕቲን" ይበሃል ኣሎ። እዚ ዝእለም ዘሎ ኲናት ፦ "መንእሰይ ወለዶ ትግራይ እንታይ ክትርባሕ ኢኻ ክትጋደል?" እቲ ቃልሲ መሬት ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ወይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ እንተዝኸውን እማ "ቅዱስ" ምተባህለ። እቲ መሪር ሓቂ ግን፡ እቲ ዕላማ ንውሑዳት ውልቀ-ሰባት ስልጣኖም ንምሕላው ተባሂሉ ዝእለም ዘሎ ናይ ውክልና ኲናት ምዃኑ እዩ።

ነቲ ኣዝዩ ዝተሃስየን ተወሳኺ ሸኽሚ ክፃወር ዘይኽእልን እንግድዓ ትግራይ፡ ካልእ ዓይነት ፃውራ ምዕዳም ታሪኻዊ ገበን እዩ። ንትግራይ ተወሳኺ ክሳራ ክምፅኣላ እንተዘይኮይኑ ሕዚ ብሓይሊ ብረት ዝርከብ ትርፊ የለን።

እቶም ዘይተፈትሑ ውራያት እውን ብሰላማዊ ኣገባብን ብልዝብን እምበር ብሓይሊ ክትፈትሕ ምፍታን ንትግራይ ዳግማይ ናብ ደልሃመት ምእታው እዩ።

ወድባት ፖለቲካ፡ መናእሰይ፡ ልሂቃንን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ ነዚ ኩነታት ብዝግባእ ተረዲኦም፡ ንትግራይ ካብቲ ተናሲሕካ ዘይመላእስ ከቢድ ክሳራ ከድሕኑዋ ይግባእ። ቃልሲ መንእሰይ ትግራይ ንውሑዳት ስልጣን ንምሓዝ ዘይኮነስ፡ ንሓባራዊ ድሕንነትን ፍትሕን ክኸውን ይግባእ።


​እቲ መፍትሒ ዝኾን እውን መንእሰይ ወለዶ ካብ "ተኣዛዚ" ናብ "ወሳንን ሓታትን" ፖለቲካዊ ሓይሊ ክሰጋገር ኣለዎ። መስዋእቲ ክኽበር ዝኽእል፡ እቲ ዝተቓለስካሉ ዕላማ ክረጋገድፅ እንተሎ ጥራሕ እዩ።

ስለዚ፡ ትግራይ ካብቲ ዝሓለፈ ስሕተታት ተማሂራ ብዝሰኸነ መንገዲ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ፍታሕ ንምምፃእ ዝተወደበ ዓቕሚ ክትፈጥር ይግባእ።

ደም መንእሰይ ትግራይ ንፖለቲካዊ ቁማር ዝኸውን ዕዳጋ ኣይኮነን!
ጉዕሽ ግደይ(ፕሬዝዳንት ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)

23/01/2026

The Hand of Betrayal: One Year After the Self-Inflicted Collapse of Tigray’s State
By the Horn of Africa Geopolitical Review (HAGR)
Independent Regional & International Geostrategy | Security–Military–Political Reflection Analysis
One year ago, on this day in January, Tigray crossed a line from which it has yet to recover. What unfolded was not the consequence of an external invasion or an unavoidable military defeat. It was a deliberate, internal act of political and military betrayal—a historic rupture carried out by the TPLF core and the so-called “above-the-core” military warlord network against their own people, their own institutions, and their own future.
The image that remains seared into Tigrayan collective memory is simple, chilling, and unforgivable: hands raised—not in defense of the people—but in surrender to ignorance, impunity, and personal survival. Those hands did not merely signal a tactical choice. They dissolved a state system, shattered civilian governance, and dismantled the moral legitimacy of the Tigray Defense Forces (TDF) from within.
This was not an error. It was not confusion. It was not inevitability.
It was a conscious historical wrong.
The Worst Military Betrayal in Tigray’s Modern History
For the first time in Tigray’s long tradition of resistance, the greatest threat did not come from outside forces—but from a self-serving political-military elite that chose power preservation over national survival.
By undermining the Tigrayan civilian interim administration and hollowing out the TDF, this faction engineered the collapse of lawful authority. What followed was predictable—and devastating:
The breakdown of civilian governance
The erosion of military professionalism
The rise of lawlessness, fear, and unchecked coercion
Tigray did not lose control because it was defeated.
Tigray lost control because it was handed over.
From Governance to Lawlessness
The aftermath has been brutal and systemic.
Across Tigray, communities have endured:
Kidnappings and enforced disappearances, carried out without warrants, courts, or accountability
Arbitrary arrests and political persecution, particularly targeting reformist voices, youth leaders, and independent thinkers
Extrajudicial killings, masked by silence and impunity
These are not isolated incidents. They are symptoms of a collapsed state order, where guns replaced law and loyalty to faction replaced duty to the people.
Economic Plunder After War
Perhaps most damning is what followed the collapse: the rapid expansion of illegal mining and economic exploitation.
In the power vacuum:
Gold and mineral resources were smuggled out of Tigray
Toxic chemicals were used with no environmental safeguards
Local military actors partnered with shadowy external “investors”
This was not reconstruction.
This was post-war plunder.
What emerged was an unholy alliance—linking TPLF factional interests with the Eritrean PFDJ regime—directly against Tigray’s national interest, sovereignty, and long-term survival.
The Destruction of Tigrayan Unity
The most enduring damage is not physical.
It is social and political fracture.
Tigrayan unity—already scarred by genocide—was further dismantled by:
Internal betrayal
Factional paranoia
The criminalization of dissent
Entire administrative structures were dissolved, particularly in southeastern and southern Tigray. Leadership figures fled into exile. Youths and reformers were silenced, imprisoned, or disappeared.
Tigray, once governed by its people, was reduced to rule by a narrow, unaccountable clique.
The Case of General Guesh Gebre: A Symbol of Collapse
The kidnapping and continued disappearance of General Guesh Gebre stands as one of the clearest symbols of this moral and institutional breakdown.
A man who sought to preserve stability and prevent total collapse was instead abducted, held outside the law, and placed in grave danger—without due process, without transparency, without conscience.
When generals are kidnapped by their own system, the state has already failed.
The Hand of Betrayal and Shame
In political history, the “hand of betrayal” is not merely symbolic. It represents:
The breaking of public trust
The abandonment of duty
The humiliation of a people by their own leaders
Shame follows betrayal—not as rhetoric, but as a moral injury inflicted on society. It lingers long after gunfire fades, shaping generations.
Those hands raised one year ago did more than decide a moment.
They decided a collapse.
And alarmingly, those same hands still claim authority today.
A Line Must Be Drawn
History will record this moment not kindly.
But history is not finished.
What must now be said—clearly, firmly, and without fear—is this:
Enough.
No movement, no party, no military elite owns Tigray.
Legitimacy flows from the people—or it does not exist at all.
The future of Tigray depends on truth, accountability, civilian rule, and the rejection of warlordism disguised as liberation.
Anything less is not governance.
It is betrayal—repeated.

17/01/2026

ፀጉ ገ/ሄርን ሽርሕታቱን
ናይ ፀጉ ሕመቅ ተግባራትን ከይተዛራብካዮ ዝጨኑን መንካዕን ምኻኑ ንኹሉ ግልፂ እዩ። ኩሉ ግዜ ብጋሂ ዝተላዕጠጠ ኣተሓሳስባ ዝወነነ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዝረከቡ ኩሎም ፍጥረታት እቲ ዝሓመቀ ፍጥረት እዩ። ናይ ባዕሉ ዕላማን ራኢን ዘየብሉ ናይ ሰባት ሓሳብ ተሊቂሑ ዝነብሕ ጥርሑ ገረዊናይ! ጥርሑ ጎረዊናይ እንተኣካራሪኻዮ ድምፂ ኣለዎ፣ ናይቲ ጎረዊናይ ድምፂ ኸባቢ ካብ ምብካል ሓሊፉ ዘብፅሖ ጉድኣት ግን የለን። ፀጉ ይነብሕ እዩ ሓሶት እምበር መረዳእታ የብሉን፣ ይሕሱ እምበር ሓቂ የብሉን፣ መዓኮር ኣጋላት ክውንን ይሓልም እምበር ኣይኮነሉን፣ሓቀኛ ቃልሲ ብናቱ ድልየት ጎልቢቡ ቤተሰባዊ መልክዕ ክትሕዝ ይምኩር ግን ክሳብ ሕዚ ኣይተሳኸዐሉን። ብሕጊ ውን ብፌደራል መንግስቲ 60,ዐዐዐ,000 ብዘይቅፅዓትን ወለደን ዘይተኸፈለ ግብረ ዘለካ ወንጌለኛ ምኻንካ ኣይተዘንግዕ።

ሕዚ ድማ ብኣፈሙዝ ብረት ናይ ንዝተመደበ ከንቲባ ዓዲግራት ኣይተ ረዳኢ ገ/ሄር ቦርዲን ወልዋሎን ንምፍራስ መድብ ተዋሂብኒ እዩ እናበልካ።
ብረዳኢ ዝተወሃቦ መደብ ነቲ ብጠቅላላ ጉባኤ ዝተመረፀ ናይ ወልዋሎ ቦርዲ ኣፍሪስና ከም እንደገና ከዕሪን ወልዋሎ መሳሪሒ ፖለቲካ ክግበር ይስራሕ ኣሎ። የሕዝን!!ወልዋሎ ግን በቲ ንሱ ትድልዮ ክትከይድ ማለት ዘበት እዩ። ካብቲ ዘላቶ ጠንኪራን ጎልብታን ክትወፅእ እያ። ፀጉ ሽሪሕታትካ ጠጠው ክተብል ንመኽረካ። ምስ ቴድሮስ ካሕሳይ ኣብ ወልዋሎ ኣመራራሐ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ብሌብነት ዝፍለጥ ኮይንካ ሓንሳብ ሰምረት ካልእ ግዜ ተቆርቃሪ ናይ ወልዋሎ ኮይንካ ምምፃእ ስለዝተኸሸፈ ዕረፉ ንብል። እንተቀፂልካ ግን?

Want your public figure to be the top-listed Public Figure in Aksum?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Website

Address


Aksum