MTV Tigrigna

MTV Tigrigna

Share

Tigrigna news music and drama

19/03/2026

እንዳ ህወሓት፡ መሕመሚ ቐልዲ እዮም ዝቕልዱ።

ደብረፅዮን፣ ፈትለን ኣለምን ምስ ወተሃደራቶም፡ “ውድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት ገጢሙና” ኢሎም ኣዊጆም ዝሓደሩ እዮም።

“ምምራሕ ኣይንኽእልን፡ ውዱቓት ኢና” ማለት እዩ’ኮ።

ኣብ’ዛ ሎምዓንቲ’ውን ግን፡ ደብረፅዮን፣ ፈትለን ኣለምን ምስ ወተሃደራቶም ንስልጣን ይቃፀፁ እዮም ዘለዉ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ Getachew K Reda “10 መጋቢት ኣብ ወርቀዲኖ ደብረፅዮን: ታደሰ: ኣለም: ፈትለ: ኣነ ባዕለይ ክንድሕን'ሞ ዓዲ ተመሊስና ክንዘርግ ኣብ ዝተገበረ መስደመሚ ስርሒት …” ክብል ፅሒፉ።

ሓቂ እዩ: ዓዲ ዘሪጎም እዮም!!

ግን፡ ዓዲ ዝዘረገ ሰብ፡ ሕዚ’ውን ኣብ ጉዳይ ትግራይ “ወሳኒ ተራ” ክፃወት ድፍረትን ሞራልን ካበይ የጥሪ?

ዘራጊ ኾነ ውዱቕ “መሪሕነት”፡ ዕጫ ትግራይ ካብ ምውሳን ክእለ እዩ ዘለዎ።

23/01/2026
08/10/2025

ሓበነይ

08/10/2025

ናይ ልቢ ስብራት

ኣብዚ ስእሊ እትሪእዎ ዘለኹም መንእሰይ ፡ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ድሓን ፡ ጥዑይ ዝነበረ ሰብ እዩ ።

ሰብ ኣብ ህይወት ውሽጢ ምስ ሰብ ምርኻብ፡ ምስ ሰብ ምፍታው ፡ ምስ ሰብ ምፍቓር ፡ ናይ ግድን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ፈጣሪ ዝተዋህቦ ትዕድልቲ እዩ ።

እዚ መንእሰይ ዚ ፡ ኣብ ሓደ ወቕቲ ኣፍቂሩ ፡ ነታ ዘፍቅራ ጓል ፡ ከም ዘፍቅራ ነጊርዋ ፡ እታ ጓል ድማ ብስርዓት ፡ ንስድራኣ ሓቲቱ ትብጻሕካ ምስ በልዎ ከም ትምርዓዎን ነገረቶ ።

እዚ ወዲ ኣብ ስርሑ ጠንኪሩ ፡ ብምስራሕ ነታ ዘፍቅራ ጓል ድሓን ዝኾነ ህይወት ንኽነብሩ ገንዘብ ምሓዝ ከም ዘለዎ ኣሚኑ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ እንዳሰርሐ ዓቕሙ ገንዘብ ሓዘ ።

ንወላዲቱ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ክምርዖ ከም ዝወሰነ ፡ ነገራ ሞ ኣዲኡ ውን ብሓሳቡ ተሰማምዐት ፡ ኣብ ጎድኑ ድማ ኮነት።

ስዓት ኣኺሉ ናብ እንዳ ጓል ሽማግለ ተላእኩ ፡
ስድራ እንዳ ጓል ውን ብሓጎስ ተቐቢሎም ፡ ትብጻሕኩም በልዎም ፡ መርዓ ተቖጽረ ።

እዚ መንእሰይ ፡ ንሓዳሩ መውጽኢ ምግዝዛእ ጀመረ ፡ ንመርዕኦም ንብረታት ክገዝእ ፡ ንዕኡ ባድላ ፡ ንመርዓቱ ድማ ቬሎ ገዚኡ ኣዳለወ ።

ሃንደበት,,,,,፡ ,,,,, ,,,,,,,,, ጭርርርርርርርርርር
ቴሌፎን ፡ ካብ ስድራ እንዳ ጓል ተደወለ
ዘይሓሰቦ ፡ ሓጎሱ ፡ ናብ ሓዘን ዝቕይር ድምጺ ሰምዐ።

ስድራቤት መርዓት ፡ ንጓሎም ዝኸውን ሃብታም ብዓል ዝና ፡ ብዘይ ሽግር ከናብራ ዝኽእል ካልእ ሰብኣይ ከም ዝረኸቡላ ፡ ነቲ ተሓሲቡ ዝነበረ መርዓዊ ግን ከምዘይደልይዎ ነገርዎ ።

ዓለም ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚራ ፡ ገጻ ቀይራትሉ ፡ ጥዕንኡ ወሲዳ ፡ ዕብደት ሂባቶ

ኣብ ማእከል ከተማ ባድላን ቬሎን ጌሩ ይዘውር

ኣብ ዓለም ናይ ሰብ ተስፋ ምውሳድ፡
ሓጎስ ፡ ምጽልማት ፡ ራኢ ምድምሳስ ነዚ ዝገብሩ ሰባት ፡ ናይ መዓልቲ ጉዳይ ምበር ፡ ኣብቶም ስድራ ዋላ ኣይብጻሕ ኣብ ደቆምን ደቂደቆም ናይ ግድን እዩ ዝበጽሕ ሞ ፡ ናይ ሰብ ተስፋ ምስራቕ ሕማቕ እዩ ።

ኣብርሃም ናይዝጊ እየ ካብ ዘንበብክዎ
ናብ ካልኦት ኣካፍሉ

Want your business to be the top-listed Media Company in Adis?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Telephone

Website

Address

Adis