Tigray post
Make Tigiray Greate again!!!!
@Like @comment @share
25/03/2026
24/03/2026
ምኽልካል መሃያ መምህራን ወለዶ ምቕታል እዩ-ሰልፈኛታት መምህራንን ተምሃሮን
መንግስቲ ፌደራል ዘንበሮ ክልከላ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ስታድየም ባሎኒ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኵነት ካብ ኵለን መንግስታውን ውልቀን ኣብያተ ትምህርቲን ዝመፁ መምህራንን ተምሃሮን ተረኺቦም ኣለዉ፡፡
ኣብቲ ሰልፊ፥ ክልከላ መሃያ መምህራን ጠጠው ይበል፣ መሰል መምህራን ይከበር፣ መምህር እናጠመየ ከምህር ኣይግበኦን፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም፤ ተምሃሮ ድማ ናብ ቤት ትምህርቶም ይመለሱ ዝብሉ ጭርሖታት እናተጨርሑ እዮም።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፣ ማሕበር መምህራንን ወለዲ ተምሃሮን ብሓባር ብምዃን መሰል መምህራንን ህፃናትን ክኽበር ዝፅውዕ ሰልፊ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ እናተኻየደ እዩ።
23/03/2026
ልዕሊ 5 ሽሕ ዶላር ኰይኑ ብዝብል ከዘራርብ ዝፀንሐ ዋጋ ወርቂ ናብ ትሕቲ 4200 ዶላር ኣንቆልቍሉ።
ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ናብዚ ንፈለማ እዋን፥ ሓደ ትሮይ ኦውንስ ወርቂ (31 ግራም) ትሕቲ 4200 ዶላር ይሽየጥ ምህላዉ ፀብፃብ ማዕኸን ዜና ኣናዶሉ ኣመላኺቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ምንካይ ዋጋ ድሕሪ 1983 (ኣ.ኣ) ዝተርኣየ ፈላማይ ኣብ ሓደ ሰሙን ውሽጢ ዝተርኣየ ናይ ልዕሊ 10 ሚእታዊ ምንቍልቋል ምንባሩ እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናብ ጥቓ ጥቓ 5600 ዶላር ዋጋ ደዪቡ ዝነበረ ዋጋ 31 ግራም ወርቂ ኣብዚ እዋን ብ 26 ሚእታዊ ምውራዱን ሎሚ ሰኑይ ድማ ኣብ ክሊ 4110 ን 4536 ዶላር ትሕት ልዕል እናበለ ይሽየጥ ምህላዉን እቲ ፀብፃብ ጠቒሱ።
21/03/2026
ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ፈላማይ ጉዕዚ ፕረዚንት ድዩ ዝኸውን ዘሎ?
👇
ብፕረዝደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ምስ ዝፀንሐ ከባቢታት ህዝቢ ዞባ ደቡብ ንምምይያጥ ሎሚ 12 መጋቢት 2018 ዓ/ም ከተማ ኣላማጣ ኣትዮም፣ ብነበርቲ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኡን ኣመራርሓን ድማ ኣቀባበል ተገይርሎም ኣሎ።
ተባረክ
20/03/2026
“ካብ መለስን ኣባይን ናብ ጎደፋይን ኣረጋይን”
#ሓተታ
“ህወሓት ካብ መለስን ኣባይን ናብ ጎደፋይን ኣረጋይን” ይብል እቲ ኣብ ቀረባ ናብ ትካልና ዝተለኣኸ ውልቀ ሪኢቶ ሓደ ነባር ተጋደላይ ተኸታታሊና። ኣገዳስነት እዚ ጽሑፍ፡ ካብ ዘመላኸቱን ብከምዚ መልክዕ ክቐርብ ካብ ዝተደለየሉን ዓበይቲ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ እቲ ጽሑፍ ዘይከም ርእሱ ብዛዕባ ሰባት ዘይምዃኑ እዩ። ትሕዝቶ እዚ ዛንታ “ብዛዕባ ሓሳባት እዩ” እንትብሃል፡ ትግራይ ሕዚ ዘላትሉ ቁመና ኣብ ምምልኻትን ካብዚ ተበጊስካ መዋጽኦ ኣብ ምእንፋትን ናይ ባዕሉ ዕዙዝ ግደ ክህልዎ እዩ ከም ማለት እዩ።
ብዙሓት ብዛዕባ ሰባት ክዛረቡን ክሰምዑን ኣብ ዝሃርፉሉ ፖለቲካዊ ኽርድድና፣ ብዙሓት ብዛዕባ ሓሳባት ክሰምዑን ክምጉቱን ኣብ ዝህከይሉ ፖለቲካዊ ዝኽትምና፡ ብዙሓት ትካላት ሚድያ በቲ ሰብ ዝደልዮን ዝሃርፎን መንገዲ ገይሮም እንትነጉዱ እሞ መወዳእታኦም ሕማቕ እንትኸውን ንዕዘብ።
ካብዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣጀንዳኡ ዝገበረ ናይ ሚድያ ተረኽ ኽንወጽእ ንእንጽዕር ቲቢኤስ ቲቪ እዚ ጽሑፍ እዚ ዝተሓንገጦ ሓሳብ ገዚኡና ንቲቪ ብዝምጥን መንገዲ ንምቕራብ ፈቲንና ኣለና።
“ንሕና ካብ እዋን ንእስነትና ጀሚርና ኣብ ውድብ ህወሓት ዝዓበና ተጋደልቲ ትግራይ፡ ንውድብ ህወሓት እንፈልጣ ብክልተ ሰለስተ ምዕራፋት መንነት እዩ” ኢሉ ዝጅምር እዚ ዛንታ፡ ሰለስቲኦም ምዕራፋት ብሓደ ፍሉይ ረቛሒ ማለት እውን “ውድብ ከም ፍልፍል ፍልጠትን ሓሳባትን” ብዝቖጽር ረቛሒ መዚኑ ንምቕማጥ ይፍትን።
እቲ ሓደ፡ እቲ ኣብ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ውድብ ህወሓት እንትኸውን በቲ ዝተጠቐሰ ረቛሒ እንትምዘን “እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ ሊሂቃን ተጋሩ ናብ ረብሓኣ ዘዋዓለት ውድብ” ብምባል ይገልጾ። ፍልፍል ፍልጠት እዩ እሞ እቲ ረቋሒ፡ ህዝቢ ክነቅሕ፣ መሪሕነት ክበልሕ፣ ተጋዳላይ ክጅግን፣ ዲያስፖራ ክቃለስ፣ ደጀን ክትስፎ ወዘተ “ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕቲ ሓሳብን ኣፍረይቲ ፍልጠትን እንታይ ገበሩ?” እዩ እቲ መዓቀኒ።
በዚ መሰረት ኣብ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ዝጸሓፉ ዝነበሩ መመያየጢ ጽሑፋት ብድሕሪኡ ኣብ ዘለዉ ምዕራፋት ተጻሒፎም ከምዘይፈልጡ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ዝተሓተሙ መጽሄታት ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ምዕራፍ ታሪኽ ተሓቲሞም ከምዘይፈልጡ፣ ኣብቲ ሕሱም ናይ ውግእ እዋን እቲ ዝነበሩ ናይ ስልጠናን ትምህርትን ማእኸላት፣ ናይ ሰሚናርን ምዕባይ ዓቕምን መደባት ወዘተ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ መዋእል እቲ ውድብ እናተዳኸሙ ከምዝኸዱ ብኣብነታት ኣዕጂቡ የዘንቱ፡ እቲ ጸሓፊ።
እቲ ጸሓፊ ወሲኹ፡ ኣብ መበል 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሩ ማእኸላት ምዕባይ ዓቕምን ህንጸት ሓይሊ ሰብን ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈጠረ ብንጽጽር ምችው ዝብሃል ኩነታት ኣሰር መሰደሮም ምጥፉኡ እንተቕምጥ፡ ካልእ እሞ ይትረፍ ውድብ ኣብ በረኻ ቤት ሕትመት ነይርዋ፡ ሕዚ ግን ኣብ መቐለ እዚኣ እትብሃል እንዳ ሕትመት ከምዘየላ ብምዝኽካር ኣብ ቀዳማይ መዋእል እቲ ውድብ ዝነበረ፡ ንሱ “ዘበን መለስን ኣባይን” እናበለ ዝጽውዖ ናይ መሪሕነት ዘበን ንምራኣይ ይፍትን።
እዚ ጥራይ እንተዘይኮነስ፡ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ብመዳይ ባህልን ጥበብን እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ፣ ብመዳይ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ፣ ብመዳይ ህንጸት ሓይሊ ሰብ እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ፣ ብመዳይ ሓቀኛ ዲሞክስራን ፍትሕን እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ እቲ ውድብ ኣብ በረኻ እንተሎ ዝተረፈ ምዃኑ እዩ ዘብርህ።
ህዝቢ ትግራይ “ፍትሒ ኣብ እግሪ ዳዕሮ ተሪፋ” ዝብል እውን ነዚ ምዃኑ ይገልጽ። ብውልቀኡ ዝገጠሞ፣ ዝተረደኦ፣ ዝረኣዮን ዝሰሞዖን፡ ካብቲ ካብ ደጀና ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ብእግሩ ዝተጓዓዞ ናይ ገድሊ ህይወቱ ቀዲሑ ብብርክት ዝበሉ ኣብነታት ዘረደአ እዚ ነባር ተጋደላይ፡ “እቲ ዘሐጉሰንን ዘኪረዮ ፍስሃ ዝህበንን ክፋል ህይወተይ እቲ ናይ ገድሊ ህይወተይ እዩ” ይብል።
ኣብ ጽሑፉ፡ “ውድብ እቲ እዋን ብቤላበሎን ዕሙት ውሳነን ዘይምራሕ ሓይሊ ነይሩ” ይብል እሞ፡ ንውሽጣዊ ዕድላትን ሓደጋታትን ኣመልኪቱ ዝሓዞም መፍትሕ ሓሳባት ብብዙሓት መጽሓፍቲ፣ ዋላ ንፍልልይ ሓሳባትን ውሽጠ-ፖለቲካዊ ኣጀንዳታትን ንምእላይ ብብዙሓት መጽሓፍቲ፣ ንወያነ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝሕዞ ቅዋም ብብዙሓት መጽሓፍቲ፣ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕዞ ቅዋም ብብዙሓት መጽሓፍቲ፣ ንጉዳይ ብሄር ብሄረሰባት ብብዙሓት መጽሓፍቲ፣ ካልእ ይትረፍ ንዕድል ራሻን ዕጻ ኣሜሪካን ከይተረፈ ብናይ ምይይጥ ሰንዳት ዝርኢ፡ ሊሂቃን ትግራይ ብልዑል ብርኪ ዝተኣኻኸብሉ መኣዲ ፍልጠትን ሓሳብን ዝኾነ ውድብ ምንባሩ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ህዝቢ ዝውዕል፣ ካብ ህዝቢ ዝምሃር፣ ህዝቢ ዘኽብር፣ ንህዝቢ ዝነብር፣ ብዝህቢ ዝእመን፣ “ቅድሚ ህዝበይ ንሰጣሕ” ዝብል ህዝባዊ ውድብ ዝኾነሉ ምኽንያት ብብልሒ ልሂቃኑ ምንባሩ እውን የውስእ።
ኣብ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ኩሉ ኩነታት ብሓፈሻ: ብመዳይ “ውድብ ከም ፍልፍል ፍልጠትን ሓሳብን” ድማ ብፍላይ፡ ሎሚ ኮይንካ እንትርአ ኣብ ብዙሓት ኣፈላላይ ክህሉ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። እንተኾነ ከም ዓይነ ምስክር እዚ ነባር ተጋዳላይ ግን ዕድመ ውድብ ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ከፈለ እሞ፡ እቲ “ዘበን መለስን ኣባይን” እናበለ ዝገልጾ ናይ ፍልጠትን ሓሳብን፣ ናይ ኣመተን ንባብን ዘበን እቲ ኣድናቖቱ ብዝነበረሉ ህይወት ኣቢሉ እዩ ዝገልጾ፡፡ ሕዚ “ዘበን ኣረጋይን ጎደፋይን” ክብል ንዝገልጾ ናይ ውድቀት መድረኽ ዝግምግሞ እውን በዚ እዩ።
እዚ ተጋደላይ፡ ክትኣምኖ ዝኸብድ ብምባል ዝገልጾ ዓወት 20 ጉንበት፡ ተጋደላይ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ፡ “ውድብ ብፍላይ ነቲ ተጋዳላይ ሕብራን ትሕዝቶኣን ዝቐየረት ካልእ ትካል ኮይናትና” ብምባል ምስ ካልኣይ ምዕራፍ መዋእል እቲ ውድብ ከላልየና ዝፈተነ እቲ ጸሓፊ፡ ሕዚ እውን ግን ፍልፍል ፍልጠትን ሓሳብን ምንባራ ብርዑ ኣይከሓደትን። እንተኾነ መገዲ ቁልቁል ዝተጀመልሉ እዋን ምንባሩ እዩ ዝገልጽ።
ካብ ኣብነታቱ ሓደ፡ ዋላ እኳ ብተደጋጋሚ ምይይጥን ዘተን ዝተወሰነ እንተኾነ እቲ ብሄርተኛ ትግራዋይ “ዓድና ናጻ ኣውጺእና ኣለና ካሎኦት የብሩዩና” ብምባል ናብ ማእኸል ሃገር ዝተገበረ ጕዕዞ ተቓውሞ ገጢምዎ ምንባሩ የዘኻኽር።
እቲ ናይ ኣልውሃ ተቓውሞ ኣብ ተኸላ መንግስትነት እታ ሃገር ግደን ብጽሒትን ተጋሩ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቱ እኳ እንተዘይነበረ፡ ዳሕራይ ግን ገድሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ እታ ብቁጽርን ስፍሓትን ዓባይ ሃገር ኢትዮጵያ “ንኡስ” ወይ እውን “ማይነሪቲ” ናብ ዝገብር ክፉእ ኩነታት ኣሰጋጊሩ፡ ዝተቃለስናሎም ዓንድታት ክሰብረልና እዩ ኢልና ኣይሓሰብናን ነይርና ብምባል ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ታሪኽ እቲ ውድብ ዘለዎ ዝተፈለየ ቅዋም የንጸባርቕ።
ንሱ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ “እቲ ውድብ ኣይትጋገን ክንብል ዝገበረና ወርቃዊ ናይ ተጋድሎ ዘበን፡ ዘበን መለስን ኣባይን፡ ውድብ እውን ከም እትጋገገ፣ መለስ እውን ከም ዝጋገ፣ ኣባይ እውን ከምዝጋገ ወዘተ ዝተረዳእናሉ መድረኽ መጺኡ” ብምባል ብርክት ዝበሉ ኣብነታት ኣልዒሉ ኣብ ልዕሊ ተጋዳላይ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን “ወሪዶም” ዝበሎም በደላት ከመላኽት ይፍትን። “ዘይነበረ ክልል ኣምሓራ ንምፍጣር ተቖሪሱ ዝተውሃበ መሬት ትግራይ፣ ካብ ከብዲ እንደርታ ንዓፋር ተቆሪሱ ዝተውሃበ መሬት ወዘተ” ከም ኣብነት የልዕል።
“1985 ዓ/ም ውድብ ሓሚኹምን መራሕትኹም ኣንቃዕሪርኩም ሪኢኹምን” ኣብ ልዕሊ ዝተባሃለ ግዙፍ ቁጽሪ ዘለዎ ተጋደላይ ዝተፈጸመ በደል፣ ብስም ምምጥጣን ናብ በረኻ ዝተደርበየ ኣካል ስንኩል ተጋደላይ፣ ብድምር “ረብሓ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ረብሓ ኢትዮጵያ ይረጋገጽ” ብዝብል ኣዕርዩ ሓሳባዊን ኣድማሳውን ዝኾነ ኣመላኽክታ ትግራይ ንእሽተይን ድኻን ክልል ክትኸውን ዝገበረ ኣጠቓላሊ ኣካይዳ ከመይ ዓዲ ከምዝጎድአን፡ እቲ ውድብ እውን ዝሓስብሉ ኣካላት ካብ መለስን ኣባይን ናብ ጎደፋይን ኣረጋይን ከመይ ክወርድ ከምዝገበረን ይገልጽ።
ኣብዚ ንኡስ ናይቲ ውድብ ምዕራፍ፡ 1993 ዓ/ም ኣብ መንጎ እቲ መሪሕነት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ነቲ ውድብ ከመይ ሕቖኡ ኸምዝሰበሮ ምስ ገለጸ: “ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ዝነበርና ኣካላት ዳሕራይ ኢና ሰሚዕና፡ ዋላ ብ1987 ዓም ካብቲ ውድብ ንሰናበት እቲ ስሚዒት ግን ስለዘሎ ኣዕሪና ዝሓዘንናሉ እዋን ነይሩ” ይብል። “ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈንጸሐ እቲ ውድብ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ናብ ዝነብርና ተጋደልቲ እውን ልሒኹ እከለ ናይ ስየ ደጋፊ ኢኻ፣ እከለ ናይ ተወልደ ተሓላቒ ኢኻ፣ እከለ ናይ ጻድቃን ሓሽኸር ኢኻ ወዘተ እናተብሃለ፡ ሕማም ዳሓር ተኺሉ ዝሓልፍ ፖለቲካዊ ሕመቕ ኣተኣናጊድና ኢና” ይብል እሞ፡ “ እቶም ነንባዕሎም ከም ዝቀራረቡን ዝፋተውን እንፈልጦም መራሕትናስ ኣብ ባእሶም ሓዊሶምና” ክብል ብጓሂ ይገልጽ።
በቲ በለ በዚ፡ “ውድብ ኸም ፍልፍል ፍልጠትን ሓሳብን” ብዝብል ረቛሒ ክምዝን ዝፍትን ዘሎ እዚ ጸሓፊ፡ እቲ ንኢትዮጵያ እናግዘፈ፡ ንትግራይ እናኣንአሰ ዝኸደ፡ ካልእ ይትረፍ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናኣካየደ ዝመጸ: እቲ ድሕሪ 83 ዝመጸን ክሳብ መስዋእቲ መለስ ዝጸንሐን ውድብ ህወሓት፡ ዘበኑ ዘበነ መለስን ኣባይን እኳ እንተነበረ እቶም ኣብ ፈላማይ ምዕራፍ ዝነበሩ ፍሉይ ህዝባዊ ክብርታት ሸርሺሩ ብ ኣምሓርኛ ዝሓስብ ብ ኣምሕርኛ ዝዛረብ ትግራዋይ ውድብ ናብ ምዃን ከምዝተሰጋገረ ይገልጽ። “ኩላትና ኣብ ደሓን ስልጣን ዝነበርና ተጋደልቲ ዓድና ትግራይ ዘይኮነስ ሸዋ ክከውን ገይርና” እውን ይብል።
እዚ ዘበን እዚ ብብዙሕ ኣብነታት ዘረደአ እዚ ጸሓፊ ሰለስተ ኣብነታቱ ጥራይ ብምውሳድ ህወሓት ብመዳይ ፍልፍል ሓሳብን ፍልጠትን ምዃን ከመይ ካብ ዘበን መለስን ኣባይን ናብ ዘበን ጎደይፋን ኣረጋይን ከምዝተሰጋገረ ንርአ።
ሓደ እቲ ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ፖሊሲ እዩ። “ረብሓ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ረብሓ ኢትዮጵያ ይረጋገጽ” ካብ ዝብል ዓብዪ መራኣዪ ዝብገስ ፖሊሲን ስትራተጅን እታ ዓዲ፡ ንትግራይ ዝኾኑ፣ ንትግራይ ዝመስሉ፣ ናይ ትግራይ ፍሉይ ጸገም ማለት እውን “ትግራይ ስፐሲፊክ” ብፍሉይ መስርሕ ዝኣልዩ፣ ፍሉይ መደባት ማሕበረሰባዊ ልምዓት ኣይተሓንጸጹን።
ገለገለ ናይ ልምዓት ጅማሮታት እውን “ትግራይ ጻዕዳ ሓርማዝ ንክትኸውን ዲኹም ትሰርሑ ዘለኹም?” ተባሂሎም ኣይቀጸሉን። ስለዚ ትግራይ ምስ ኣርስን ባሌን፣ ምስ ጎርጎራን ኣጣዬን፣ ምስ ቤንሻንጉልን ሚሌን ወዘተ ተስሪዓ፡ እቲ ንዘበናት ዝተሰከመቶ በሰላ ኩናት ክተሕዊ ተገዲዳ። ክኾን ኣይከኣለን።
እቲ ካልእ፡ ምስ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ኩነታት እዩ። ንከባቢ 20 ዓመት ኣብ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ዝጸንሐ ርክብ ኢትዮ ኤርትራ እቲ ዝለዓለ ስምብራት ዘሕደሮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ኣብ ዶባት ትግራይ ዘለዋ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነዋ ወረዳታት ትግራይ ዝፈጠረኦ ማሕበራዊ ማህሰይቲ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሓው ህዝቢ በዚ ደረጃ እዚ ተፈላልዩ ክነብር ብምግባር ኣብ ወለዶታት ክልቲኡ ህዝቢ ዝፈጠሮ በሰላ ኣብ ዘበን መለስን ኣባይን ይኹን ኣብ ዘበን ጎደፋይን ኣረጋይን፡ “ብውነ ዝተሰርሐ ኣይኮነን” በሃላይ እዩ።
እቲ ሳልሳይ እዚ ጸሓፊ ዘቐመጦ፡ ኣብ ዘበን መለስን ኣባይን እቲ ውድብ ዘይተጸበኽዎ ዝብሎ፡ ምጉታም ብሄራውነት ትግራይ እዩ። መቐለ ክሳብ ቀረባ ትግርኛ ዘይመለኸት ከተማ ምንባራ ዝገልጽ እዚ ጸሓፊ፡ ትግራዋይ “ብቋንቋይ እየ ዝምሃርን ዝዳነን” ኢሉ ተጋዲሉ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ምስ ከፈለ ኣምሓርኛ ዝቐሎ ኮይኑ ተረኺቡ ብምባል ንባዕሉ ከይተረፈ ብምውቃስ የቐምጥ።
ቋንቋን ባህልን፣ ልማዓትን ስልጣነን፣ ፖለቲካዊ ማእኸልነትን ዓርሰ- ዕብየትን ትግራይ ከይተረጋገጸ፡ ናብ ጽንታዊ ኩናት ዝተሰጋገረ መዋእል ትግራይ ናይዚ ካልኣይ ምዕራፍ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ምኳኑ የብርህ። ኣብዚ ዘበን እዚ ዝማዕበለት ትግራይ፣ ዝሃፍተመ ትግራዋይ፣ ዝለምዐ መሬት ትግራይ ንዘይምራኣይ “መራሕትና ተጠንቂቖም ዝነበሩ እዮም ዝመስሉ” እውን ይብል።
ዕድመ ፍርቂ ክፍለዘበን ውድብ ህወሓት ብመዳይ ፍልፍል ፍልጠትን ሓሳብን መዚኑ ንምትንታን ዝፍትን ዘሎ እዚ ጸሓፊ፡ እቲ ሳልሳይ ዘበን ታሪኽ፡ ዘበን ታሪኽ መለስን ኣባይን ኣብቂዑ ዘበን ታሪኽ ጎደፋይን ኣረጋይን መግለጺ እቲ ውድብ ዝኾነሉ፡ እቲ ድሕሪ መስዋእቲ መለስ ዘሎ መዋእል እቲ ውድብ ምዃኑ የብርህ።
ከም ኣበሃህላ እዚ ጸሓፊ እንተኾይኑ፡ እዚ መዋእል እዚ ዘይከምቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ክልተ መዋእላት እቲ ውድብ፡ ብደም ደቂ ህዝብን ብርእሲ ከም መለስን ኣባይን ዝበሉ በላሕትን ተመሪሑ: ፍልፍል ሓሳብን ፍልጠትን ዝነበረሉ ግዜ፡ ዘብቃዓሉ መሕዘኒ መዋእል እዩ ይብል።
“ ከም ውልቀን ደጋጊመ ከምዝብሎን እቲ ፈላማይ ካብ 1967 ክሳብ 1983 ዝነበረ መዋእል እቲ ኣዕርዩ ዘሐጉስን እቲ ውድብ ፍልፍል ፍልጠትን ሓሳብን ምንባሩ ብምሉእ እምነት ዝዛረበሉን እዩ” ይብል እሞ “እቲ ካልኣይ ካብ 1983 ዓም ክሳብ 2004 ክሳብ መስዋእቲ መለስ ዝነበረ ምዕራፍ ድማ ዋላ ውጺኢቱ ዘይሕጎሰሉ እንተኾነ እቲ ውድብ ፍልፍል ፍልጠትን ሓሳብን ምዃኑ ግን ዘየቋረጸሉ እዋን ነይሩ” ብምባል የብርህ። እዚ ክልቲኡ እዩ ዘበን መለስን ኣባይን ዝብሎ።
እቲ ሳልሳይ ካብ 2004 ክሳብ ሎሚ ዘሎ መዋእል እቲ ውድብ ኮይኑ፡ ፍሉይ መግለጺኡ እቲ ውድብ ፍልፍል ሓሳብን ፍልጠትን ምዃን ዘቖመሉ ምዃኑ ይገልጽ። ነዚ ድማ መግለጽታትን ፍሉይ ባህርያታቶምን ዝበሎም ብስፍሓት ይዝርዝር። ንመርኣዪ ዝኾኑ ክልተ ሰለስተ ንምጥቃስ ግን እቲ ሓደ፡ በላሕቲ፣ ኣንበብቲ፣ ምሁራት፣ ተባዓት ብሓፈሻ ላህመት ዝብሃሉ ናይቲ ውድብ ኣካላት፡ በቲ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ እቲ ውድብ ዝተፈጠረ ቁመና ናይቲ ውድብ እናወሓዱ እናወሓዱ ከይዶም ዝተወድእሉ፡ ነቲ ውድብ ብኣግባቡ ዘይርድእዎ እንተተረድእዎ እውን ክስከምዎ ዘይኽእሉ ኣካላት ዝተተከኣሉ እዩ ይብል።
እዚ “ውድቀት ስትራተጂካዊ መሪሕነት” ብምባል ይጠቕሶ።
በዚ ምኽንያት ዝተፈጠረ ናይ ህዝቢ መረረት፣ ሰኣኖ ፍትሒ፣ ድኽነት፣ ስደት፣ ማሕበራዊ ምብትታኽ ብኣንጻሩ ድማ ናይ ውሑዳት ርእሰ ማልነት፣ ምልኪ፣ ሓዳጊ ገባርነት፣ ስልጣን መሀፈቲ መንገዲ ምጥቃም፣ ኔት ወርክ፣ ጸረ ዲሞክራሲ፣ ድንቁርናን ድርቅናን ወዘተ ናይቲ ውድብ ፍልፍል ፍልጠትን ሓሳብን ምዃን ኣጥፊኡ፡ እቲ ውድብ መንበሪ ውሑዳት ክኸውን ገይሩ ይብል።
እዚ ኣብ መንጎ ውድብን ህዝብን ዝነበረ ምንባብን ምቅርራብን እናኣርሐቐ፣ ኣፈላላያት እናስፈሐ፣ ትካላት ከይፍጠራ እናገበረ፣ ፖለቲካ ውልቀ እናኣሸደነ፣ ነታ ዓድን ነቲ ህዝብን ዝሓልን ዘሳግርን ሓሳብ ምምጻእ እሞ ይትረፍ፡ ክበልዓካ ዝህንደድ ጽንታ፣ ክውሐጠካ ዝመጽእ መዓት፣ ክቃጽለካ ዝመጽእ ባርዕ ክትሪኢ ዘይገብር ዕሙት መሪሕነትን ህዝብን ክትኸውን ገይሩ፡ ብምባል እቲ ሳልሳይ ድህረ-መለስን ኣባይን ዘሎ ምዕራፍ ዘለዎ ክፉእ መልክዕ የብርህ።
ከም ኣገላልጻ እዚ ጸሓፊ እንተኾይኑ፡ ብደረቕ ሳይንስ ጥርሑ ዝብሃል ነገር የለን። ብምዃኑ እቲ ዝተገለጸ ዝወደቐ ናይ ድህረ-መለስን ኣባይን መዋእል ዝወደቑ ስብእናታት ክእክብ ይግደድ እዩ። ነዚ እውን እዩ፡ እቲ ስንና ከይሸረፍና ዝተጋደልናሉ፣ ህይወትና ምሉእ ዝከፈልናሉ፣ ህዝብና ካብ መስገደል ደርግ ዘድሓንናሉ፣ ትግራዋይነት ኣብ ኣደባባይ ዓለም ክኹላዕ ዝገበርናሉ፣ ህዝቢ ትግራይ ናይ ማንም ኣሩዑት ከምዘይስከም ናቱ ጸውራ እውን ከምዘይጽዕን ዘመስከርናሉ፣ ይሕመቕ ይጸብቕ ኣንጻራዊ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ዘርኣናሉ፣ ተሓጉይስና ዝተጋደልናሉል ዘጋደልናሉን ውድብና ሕዚ እቲ ፍልፍል ፍልጠቱን ሓሳቡን ካብ ፍልጠትን ሓሳብን ኣረጋይን ጎደፋይን እንትቕዳሕ ናብ ዘርኢ ክፉእ ኩነታት ወዲቕና ዘለና ይብል።
እቲ ጸሓፊ ከም ኣበሃህላ ካሎኦት ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ዝነጥፉ ኣሕዋትን ኣሓትን “ህወሓት ፖለቲካዊ ሞት ሞይቱ እዩ” ኢሉ ኣይኣምንን። ሕዚ እውን እዚ ውድብ ፍልፍል ፍልጠትን ሓሳብን ኮይኑ መሪሕነታዊ ግዲኡ ክጻወት ከምዝኸእል ይኣምን። “ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ጸጋ እዩ” እውን ይብል። “ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ውድብ ዝወነነ ማሕበረሰብ ምዃን ብገዛእ ባዕሉ ዋጋ ኣለዎ” እውን ይብል ኣብ ጽሑፉ።
“ህወሓት ክድሕን ኣለዎ” ካብ ዝብል እምነቱ ተበጊሱ፡ ብርክት ዝበለ መረዳእታ ብምቕራብ ይምጉት። ካብ መረዳእታኡ ገሊኤን ንምጥቃስ ግን፡ ሓደን ቀንድን እቲ ውድብ ካብ መለስን ኣባይን ናብ ጎደፋይን ኣረጋይን ወሪዱ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ካብ ምርዳእ ይጅምር እዩ፡ ዝብል። እዚ ውድቀት እዚ ብዘይንሕስያ ተረዲእኻ፡ ሕዚ እውን ነዚ ውድብ እዚ ውድብ ዝገበረ ዓቕሚ ህዝቢ ብምዃኑ ፈሊጥካ፡ ናብ ህዝቢ ወሪድካ ምሉእ ንስሃ ምግባርን፡ ንምውሕዋይ ምውሳንን፡ ህወሓት ናብ ማእኸል ሓሳብን ፍልጠትን ምቕያር ከምዝከኣል ይዛረብ። “እቲ ውድብ ናብ ሰብ ዋናታቱ እንተኣትዩ ይድሕን፡ ሰብ ዋናታቱ ድማ ከም ቀደም እቶም ቅኑዓትን ፈላጣትን ተጋሩ እዮም” እውን ይብል።
ገምጋምን ምኽረ ሓሳብ እዚ ጸሓፊ ከምዘሎ ወሲድካ፡ ንምውሕዋይ ምውሳን ናይቲ ውድብ ናይ ኣባላቱ ሕርያ እኳ እንተኾነ ናይዞም ከምዚ ነባር ተጋዳላይ ዝበሉ ምስቲ ውድብ ናይ ታሪኽ ምትእስሳር ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ኣካላት እውን ምዃኑ ግን ዝርሳዕ ኣይኮነን።
እንተ ግደ ሓቂ ካብ ዝኾነ ውድብ ትግራይ ትዓቢ።
እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ!
ዘይዛሪ ሞትን ህልቂትን ተመዛበልቲ ህፁፅ ሰብኣውን ፖለቲካዊን መፍትሒ ዝጠልብ ዛዕባ እዩ።
ድሕሪ ፅንተታዊ ኲናት ተመዛባሊን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ ንቡር ንምምላስ ስምምዕነት ዋላ እንተተኸተመ ኣብ ተግባራውነቱ ግን ካብ ተራ ወግዒ ብዝዘለለ ዝተሰርሐ ነገር ዳርጋ የለን።
ብሰንኪ ዘይምፍፃም ውዕሊ ፕሪቶርያ ድማ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ እቲ ዝኸፍአ ሕሰምን ሞትን ይቕፅል ኣሎ።
ኣብ ወገናትና ይበፅሕ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው
ብኣጋ ንኽግታእ ግደ ኩሎም ደቂ ትግራይ ወሳኒ እጃም ኣለዎ።
➡ዘንፀላለወ ሰብኣዊ ቅልውላው፦
ፅንተታዊ ኲናት ካብ ዝጅመር ንነዘ ፀገም፣ሞት ተመዛበልቲ ወገናትና እናተጋደደ ይመፅእ ኣሎ።
ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓድን ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዝርከቡ ደቂ ትግራይን ናብ መረበቶም ብዘይ ምምላስሶም እኹል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምህላዉን ብፍላይ ኣብ ኣዴታት፣ህፃናትን ኣረጋውያንን ሞትን ከቢድ ዝብሃል ሰብኣዊ ቅልውላውን እናጋጠመ ይርከብ።
ተመዛበልቲ ብህፁፅ እንተዘይተመሊሶም ምስ ዝመፅእ ዘሎ ክረምቲ ተደሚሩ ኣብልዕሊ ወገናትና ዘነፃፀረ ሓደጋ ዝኸፍአን ዘይዛሪ ሞትን ከስዕብ ይኽእል እዩ።
➡ ስግኣት ቀፃሊ ምምዝባል፦
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ፀለምቲ ምፍንቓል ወገናትና ይቕፅል ኣሎ።እዚ ምፍንቓል ድማ ኣካል እቲ ጎምፂፅካን ዓሚፅካን ብሓይሊ ዝተትሓዘ ሉኣላውነት ትግራይ ዝግህስ ተግባር ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።
ነዚ የጋጥም ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ድማ:-
መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይ ውዓል ሕደር ብሙሉእነት ክትግብር ኣለዎ።
መንግስቲ ፌደራል ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ብሰላም ክነብሩ፣ማሕበራዊ ግልጋሎት ክማለአሎም ኮታስ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ክኽበር ሓላፍነቱ ክዋፃእ ንፅውዕ።
➡ዓርሰ ምርኮሳን ምትእኽኻብ እቶትን፦
ብሕታዊ መዋፃፅኦ ተጋሩ ዘቤታዊ ቁጠባ ምድንፋዕን ዘላቒ ዓርሰ ምርኮሳ ዘለዎ ህዝብን ዓድን ምፍጣር እንትከኣል እዩ።
ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገም ተመዛበልቲ ንምእላይ ዓሊሙ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ምንቅስቓስ ተወለድትን ፈተውትን ትግራይ ዓቕሞም ብዝፈቐዶ ወገኖም ኣብ ምድሓን ክረባረቡ ይግባእ።
ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ከም ፀጋ ብምውሳድ ሉኣላውነት ትግራይ ኣብ ምኽባርን ዋኒን ተመዛበልቲ ግንባር ቀደም ጌርካ ኣብ ምስራዕን ኣብ ዝተፈላለየ ሰልፊ ፖለቲካ ዝተሓቖፉ ውድባት፣ሲቪክ ማሕበራት፣ሓፋሽ ማሕበራት ኮታስ ኩሉ ተወላድን ፈታውን ትግራይ ጉዳይ ተመዛበልቲ ትግራይ ልዕሊ ፖለቲካዊ ከስቢ ክርእን ንተግባራውነቱ ድማ ብዕቱብ ክሰርሕን ንፅውዕ።
ኒው ሚድያን ዲጂታል ቴክኖሎጂን ብምጥቃም ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ህልዊ ፀገም ተመዛበልቲ ብምውዛዕን ብምቅላሕን ኣብ ተመዛበልቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ቅልውላው ብውሱን ተፈቲሑ እዩ።
ኣብዚ ሰናይ ተግባር ንዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላት ድማ ልዑል ክብርን ምስጋናን ኣለና።ህዝቢ ዓለም ኣቓልቦኡ ናብ ተመዛበልቲ ከቕንዕ ንዝገበርኩሞ ንጡፍ ተሳትፎ እናነኣድና ሐዚ እውን ብጥንኩር ሓድነት ድምፂ ወገንኩም ክትኮኑን ዝተጀመረ ምትእኽኻብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክተጠናኽሩን ፃውዒትና ነቕርብ።
9 መጋቢት 2018 ዓ/ም
ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ
መቐለ
19/03/2026
ተኣሲሩ ያ!
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Telephone
Website
Address
Adigrat