Ghila -Change
11/05/2025
ኣእምሮና ደበና ዘይብሉ ሰማይ እንተዀይኑ፤ እንታይ ከንሳፍፈሉ ከም ዘለዋ ናይ ምምራጽን መሰልን ሓይልን ኣሎካ!
ጊዜን ቦታን ከይመረጹ፣ ብዘይምልክኻ ዝጋማድሑ ሓሳባት - ስቕ ከነበሎም ንኽእል ዶ?
ኣሉታዊ ሓሳባት ክሳብ ክንደይ መጸውቲ ጸዓት'ዮም?
https://youtu.be/jfaf29q5v-M?si=_KdNkYC7t9xFJzfP
ኣእምሮና ኣሉታዊ ካብ ምሕሳብ ክንዓግቶ ንኽእል ዶ?|Negative Thoughts 2025 ካብ ሓሳባት ክንዕርፍ ንኽእል ዶ?ኣሉታዊ ሓሳባት - ጽልወኦም ኣብ ህይወትና! ...
08/12/2025
መልህቕካ ድለ
ኣብ ልምምድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስ ኣተኻ፣ ሓሳብካን ኣቓልቦኻን ዝሕዝ መልህቕ ድለ። ኵሉ ትዅረትካ ኣብ ኣስተነፋፍሳኻ፣ ኣብ ድምጽታት ተፈጥሮ ወይ ሓጻር እትደግማ ቃል (Mantra) ግበር።
ንኣብነት፡ እናጎየኻ ከለኻ፡ እግርኻ ኣብ መሬት ክዓልብ ከሎ ዝፈጥሮ ድምጺ ከተተኩር ትኽእል ኢኻ። ወይ ብኣእምሮኻ ኣብ ስርዓተ ኣስተነፋፍስኻ፣ ወይ’ውን እትደጋግማ ሓረግ ከተድህብ ትኽእል።
ኣብ ድልዳለ ሰውነት ዘየተኵረ ልምምድ ኣብ እትገብረሉ ኣብ ጭዋዳታትካን ዙርያኦምን ዘሎ ጸዓት ኣድህብ። ኣስተነፋፍስኻ
ተኸተል፣ ነቲ ክበድ ከተልዕሎ ከለኻ ንደገ ኣስተንፊስ፤ ከተውርዶ ከለኻ ድማ ንውሽጢ ኣስተንፊስ። ኣብ ምልዓልን ምውራድን (ክብደት) ‘ውን እንተኾነ ኣተኩሮኻ ኣብ ኣስተነፋፍሳኻ ይኹን።
ገጽ 215
07/23/2025
ክብሪ ሰብ ካብ #ማሕጸን ክሳብ #መቓብር
(womb to Tomb)
ኵሉ ሰብ ክቡር'ዩ (Respect)
ኵሉ ሰብ ማዕረ'ዩ (Equal)
ኵሉ ሰብ ፍሉይ'ዩ (Uniqe)
ከመይ
ኵሉ ሰብ ብመልክዕን ኣርኣያን(Imago Dio) ፈጣሪ ተፈጥረ
ኵሉ ሰብ ዘይመትመውት (Immortal Soul) ነፍሲ ተዋህበ
ኵሉ ሰብ ናይ ምሕሳብ (Rational) ዓቕሚ ኣለዎ
( CST On life & dignity of the human person)
07/21/2025
ምድላይ vs ምዃን
07/18/2025
መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፣ ሰባት ናይ ምትኳርን፡ ናይ ኣቓልቦ ምግባርን ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ፥ ኣብ መንጎ 10 ደቓይቕን 40 ደቓይቕን ይሃስስ።
ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ክንመሃሮ ዝደለና ዕማም ንውሕ ዘበለ ግዜ ምስ ንወስድ፣ ንረኽቦ መልሰ ተግባር ወይ ድማ ውጽኢት፡ እናነከየ ይኸይድ። ምኽንያቱ ኣተኩሮና ክዛውን ስለ ዝጅምር፤ ነዚ ሽግር’ዚ ንምቕራፍ እዚ #ፖሞዶሮ (Pomodoro) ዝተሰምየ ሜላ ክትጥቀም እምዕደካ።
እዚ ሜላ’ዚ፡ ብፍራንሲስኮ ሲሪሎ ዝተባህለ ዝማዕበለ ኮይኑ፥ ኣብ መቓን ሓደ ንጥፈት ንምዕያይ እቲ ውጽኢታዊ ግዜኡ፡ 25 ደቓይቕ ብድሕሪኡ ድማ ናይ 5 ደቓይቕ ዕረፍቲ የድሊ” ዝብል ዝተሰረተ እዩ። ነፍስ-ወከፍ ምቃል 25 ደቒቕ ‘ፖሞዶሮ’ ተባሂላ ትስመ።
ነዚ መጽሓፍ ምስ ኣንበብካዮ ዝመኽረካ፣ ኵሉ ግዜ ከተንብብ ከሎኻ ሓንቲ ፖሞዶሮ ጥራይ ከተንብብ ፈትን፣ ብድሕሪኡ ቅድሚ ናብ ካልእ ንባብ ምስግጋርካ ናይ 5 ደቓይቕ ንሓንጎልካ ኣዕርፎ።
ኣብ ትምህርቲ ክንመጽእ ከለና፣ እዚ ፖሞዶሮ ዝተባህለ ሜላ ዝሰርሓሉ ምኽንያት፣ ምስ ዝኽሪ፡ ጽልዋ ቀዳምነትን፡እዋናዊነትን ተኣሳሲሩ እዩ።
↪️“ጽልዋ ቀዳምነት” ክበሃል ከሎ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ እተንብበሉ እዋን፣ እቲ መጀመርታ ዘንበብካዮ ክትዝክር ዝገብር እዩ። ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ መደረ፡ ወላ ኣብ ማሕበራዊ ጽልዋ ብምግባር ከይተረፈ ይሰርሕ።
ኣብ ሓደ መርዓ ወይ’ውን ካልእ ውራይ ምስ እትኸይድ፣ ንኣብነት፡ ገለ 30 ዝኾኑ ሰባት ክትረክብ ትኽእል። ካብቶም ኣብቲ ውራይ ዝረኸብካዮም ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ነቶም መጀመርታ ዝረኸብካዮም ውሑዳት ሰባት ክትዝክር ዝሓሸ ተኽእሎ ኣሎካ። (ብናተይ ሜላ ተጠቒምካ፣ ኣስማት ከመይ ጌርካ ክትዝክር ከም ትኽእል እንተ ዘይሰልጢንካ) ነዚ ኣምር’ዚ ኣብዚ መጽሓፍ ቀጺለ ክምህረካየ።
↪️“ጽልዋ እዋናውነት” ክበሃል ከሎ ግን፣ ነቲ መወዳእታ ዝተመሃርካዮ ነገር ናይ ምዝካር ተኽእሎ ኣሎካ ዝብል እዩ። (እቲ ዝያዳ እዋናዊ ዝኾነ) ኣብ ተመሳሳሊ መርዓ፡፡ እዚ ማለት ድማ፡ እቶም መወዳእታ ዝረኸብካዮም ሰባት ኣስማቶም ዝያዳ ናይ ምዝካር ተኽእሎ ኣሎካ ማለት እዩ።
በዚ ኣድራሻ ↙️ ትርከብ
Norway
+4746724978
https://oasisnapublishers.com
Canada
+ 1 204 228 8189
UK
+447576263136
USA
+1 (707) 430-6988
07/16/2025
“ኣእምሮኻ መሰረት ኩሉ እቲ እትነብሮ ናብራን፣ እቲ እንኮ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ካልኦት ጽልዋ እተሕድረሉ መሳርሒ እዩ። በዚ
ምኽንያት’ዩ፡ ወትሩ ኣእምሮኻ ምስልጣን ትርጉም ዝህልዎ።”
– ሳም ሃሪስ
ኣእምሮኻ ምስልጣን ልክዕ ከም ንገዛኻ ምጽራይ እዩ። ጽሩይን ንጽሑን ምእንቲ ክትገብሮ መዓልታዊ ምንጋፍ፡ ምዂስታር፡ ምጽራይ፡ ልምዲኻ ምግባር ይጠልብ። ኮይኑ ግን፡ ኣእምሮኻ ምጽራይ ከም ምምሕዳርን ምውጋንን ገዛ ቀሊል’ዩ ኢልካ ዝዝረበሉ ጉዳይ ኣይኮነን።
ሓሳባትካ ተቖጻጸሮም፤ ሓሳባትካ ምቁጽጻርን ምምሕዳርን፡ ተወፋይነትን ልምምድን ይሓትት። ብተወሳኺ መዓልታዊ-ወላ’ውን
ካብ ህሞት ብህሞት-ንቕሓት ናይ ኣእምሮኣዊ ኩነታትካን ሸናኒጋን ናይ ‘ሰኽራም ወዓግ’ ኣህባይ ኣእምሮኻን ምርግጋእ ይጠልብ።
ኣእምሮኻ ንባዕሉ እንተተገዲፉ፡ ካብ ጨንፈር ናብ ጨንፈር
ክወዛወዝ እዩ፡ ንሓደ ኣረጊት ዝኽሪ ይስዕብ፡ ንሓደ ትኹረትካ ዝሰርቕ ነገር ይሃድኖ፡ ወይ ድማ ኣብቲ መሪር ጽማቝ ቂምታ ወይ ሕርቃን ክጥሕኖ እዩ። ወይ ድማ ኣብ ቀትሪ ሕልምን ቅብጸትን ክደክም ይኽእእዩ፣ ኣዝዩ ዝያዳ ኣወንታዊ ግን ከኣ ገና ዘይተገዝአ ኩነታት ኣእምሮ።
ንኣእምሮኣዊ ምትእስሳርካ ምግምጋም ሸለል ምስ እትብሎ፡ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ናጻን ሸለልትን ኮይኑ ይቕጽል። ከም ውጽኢቱ ድማ ተመኩሮ ሕይወትካ ዘይግመትን ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ብሃንደበት ዝፍጠር ባህሪ ኣተሓሳስባ ዝምርኮስን ይኸውን።
እቲ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ዘጋጥመካ ጣልቃ ዝኣቱ ሓሳባት
ነቲ ብዙሓት ተግባራት ኣእምሮ ካብ ሕልናዊ ምቁጽጻር ወጻኢ ዝመስሉ ምዃኖም ዘዕብድ ክውንነት ዘርኢ እዩ። ኣብ ልዕሊ መጉዳእቲ ጸርፊ ንምውሳኽ፡ ሓሳባትና ኣዝዩ ክውንነታውን ሓያልን ኮይኑ ይስምዓና እሞ፡ ኣብ ኣረኣእያና ብዛዕባ ዓለም ዓሚቝ ጽልዋ ኣለዎ።
ንሓጺር እዋን፡ እቲ ድንገታዊ ሓሳባትካ ዝኾነ ትርጉም ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ግደፎ። እቶም ጣልቃ ዝኣትዉ ሓሳባት ካብቲ ኣብ መንደቕ ብሃንደበት እተጻሕፈ ጽሑፍ ንላዕሊ ሓቂ ወይ ንጥረ ነገር እንተ ዘይብሎምኸ፧ ምስ ሓደ ዝኽሪ ወይ ስምዒት ገለ ምትእስሳር ክህሉ ይኽእል’ዩ። ኣብ’ዚ ሕጂ ዘሎ ህሞት ግን ክውንነት ኣየንጸባርቑን’ዮም።
መብዛሕትኡ ጊዜ እቲ ሓቂ ብዛዕባ ሓሳባት እዚ እዩ።ትሕተ-ንቕሓት ኣእምሮኻ ንሓሳባትካ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ ፈጺሙ ዘይፈቕደልካ እኳ እንተዀነ፡ ንገለ ካብኡ ናይ ምቁጽጻር ክእለት ኣሎካ። ከምኡ’ውን ንዕኡን ነቲ ዘዕብይዎ ስምዒታትካን ብዝበለጸ ንምምሕዳር፡ ግብረ-መልስኻን ልምድኻን ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ምሉእ እዛ መጽሓፍ፡ ነቲ ኣብ ርእስኻ ዘሎ ኣሉታዊ ድምጺ ስቕ ክተብሎ፡ ውሑድ ጸቕጢ ከተስተማቕርን ዝያዳ ሰላም ኣእምሮ ከተስተማቕርን፡ ንኣእምሮኻ ንምጽራይ ዝሕግዙ ሰፊሕ ምርጫ
ሓሳባትን መሳርሕታትን ኣቕሪብና ኣለና።
ገጽ 221-2
Yonatan.se
Ghilazghi Arhe
Fifu Nice
Huruy Ukubaldet
07/15/2025
Man is called to a fullness of life which far exceeds the dimensions of his earthly existence, because it consists in sharing the very life of God.
The loftiness of this supernatural vocation reveals the greatness and the inestimable value of human life even in its temporal phase.
Life in time, in fact, is the fundamental condition, the initial stage and an integral part of the entire unified process of human existence. It is a process which, unexpectedly and undeservedly, is enlightened by the promise and renewed by the gift of divine life, which will reach its full realization in eternity (cf. 1 Jn 3:1-2).
At the same time, it is precisely this supernatural calling which highlights the relative character of each individual's earthly life.
After all, life on earth is not an "ultimate" but a "penultimate" reality; even so, it remains a sacred reality entrusted to us, to be preserved with a sense of responsibility and brought to perfection in love and in the gift of ourselves to God and to our brothers and sisters.
EVANGELIUM VITAE
IOANNES PAULUS PP. II
Gash Sebhat, May your soul reast in peace.
I don't wanna die for the truth.
07/15/2025
07/13/2025
Yesterday we saw a race that was a little out of our expectations, but it doesn't matter, guys, right from the start we saw that Jasper Philipsen had an accident despite having the green jersey, cycling is a sport without guarantees, today is one day and tomorrow is another, we mustn't stress our hero Bini, if he does well at least one stage, if not, never mind, next year there are so many opportunities, strength and good luck,
07/11/2025
ሕሉፍ ኣብ- ድሕሪት፣ መጻኢ ን - ቕድሚት!
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Website
Address
Calgary, AB