Tigrigna Language Development

Tigrigna Language Development

Share

Development of proper grammatical syntax of the Tigrigna Language
ምምዕባል እሩምን ምዕሩይን ትግርኛ

ኣዕርክተ-ሓሰት 07/05/2024

ኣዕርክተ -ሓሰት
ሕደ ንደቀ-ቓላት ዝተፈላልዩ ትርጕማት
ኣርኣያ ካሳ
ኣብ ወርድፕረስ፡ https://wp.me/p3JCwq-109 ፡ ንተመራመርቲ ምምዕባል ትግርኛ ዚኸውን ዛዕባ ኣዕርክተ-ሓሰት ግእዝ-ትግርኛ ዝጽሓፍክዎ ኣሎ። ኣብ’ዚ፡ ፌስቡክ ከኣ፡ ንመርእዪ፡ ዕስራ (20) ዚኾኑ ዘርዚረ ኣለኹ። ብእዞም ዕስራ ዚኾኑ ቃላት፡ ኣብ ከብሐይ ካብ ዘሎዉ ጽሑፋት መምሃሪ ግእዝ፡ ኣመዓራርየ ዝጽሓፍክዋ፡ ሓንቲ ዛንታ ከቕርብ እየ።

ቃላት፡ ብ“Hearsay ቤለ-ቤሌው”፡ ብረባሕታ ይዅን ብንደቀ-ቓላት ብምምስሳሎም፡ ሕደ ትርጕም ኣሎዎም ምባል ከም ዘይክኣል ህላወ ኣዕርከተ-ሓሰት ሓደ ኣብነት እዩ።

ኣዕርክተ-ሓሰት ዚኾኑ ቃላት፡ ኣብ ግእዝ-ትግርኛ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኵሎም ዚዛመዱ ቋንቋታት ይኽሰቱ እዮም።
ንኣብነት፡ “burro” (ቡሮ)፡ ብጥልያን፡ “ልኻይ”፣ ብስፓንኛ ከኣ “ኣድጊ” ማለት እዩ።

ቅድሚ ዝርዝርን ዛንታን ምቕራበይ ግን ንነበብቲ ሓበሬታ/ጥንቃቐ እንሆ፤
(ሀ) ምልከት ግእዝ ዘይብልኩም፡ ግዜኹም ኣይተጥፍኡ። እተን ኣብ’ዚ ተዘርዚረን ዘለዋ ቃላት፡ ብግእዝን ትግርኛን ነንበይኑ ትርጕም ከም ዘሎወን ጥራይ ፍለጡ። ኣብ ምርዓም ከም ዝመየና፡ ናብ ንቡር ትርጕመን ኪምለሳ ዘይክእላ ቃላት ኪብሃላ እውን ከም ዚክኣል ተገንዘቡ።
(ለ) እንታይኮን ይኸውን ትርጕመን ብምባል ንእትህንጠዩ፡ ትርጕመን፡ ብእንግሊዝኛን ትግርኛን፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መራኸቢ ጠዊቕኩም ርኣዩ።
(ሐ) ምልከት ግእዝ ዘለኩም፡ እተን ቃላት ብኸምይ ኣብ’ቲ ዛንታ ከም ዝኣተዋ ኣስተማቕሩ።
(መ) ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ትምህርቲ ግእዝ ገና ዘይተተሓሕዝክዎ ዕማም ብምዃኑ ዚህቦ ርእይቶ የብለይን።

(፩) እተን ኣብ’ዚ ንመርኣዪ ዝተሓርያ ኣዕርክተ-ሓሰት ቃላት እዘን ዚስዕባ እየን፤

#ሃየደ #ሌለየ/ሊላይ #ሓቈ #መሰጠ/ተመሰጠ #መዝመዘ #መየጠ/ምይይጥ #መገበ/መጋቢ #ረትዐ/ኣርትዐ #ሰወጠ/ተሰወጠ #ሰዓረ #ኣመት #ከልሐ #ወርዘወ/ወሬዛ #ወጠነ/ውጥን #ሳኒታ #ዓበጠ #ዓደመ #ዘለፈ #ደንገጸ #ገሃሰ #ገነት #ገወረ/ጎረ #ፈለጠ

(፪) እታ ኣመዓራርየ፡ መራጐዲ ክትከውን በተን ዝተሓርያ ቃላት ዝጽሓፍክዋ ዛንታ እንሀት፤

ዘይስሕል ሰይፈ ጕሕሉት ለቢጹ፡ ይትቀተል ቦቱ ሌሊሁ።
ዘይከሪ ግብ ለቢጹ፡ ይገብእ ባዕሉ ውስቴቱ።
ሃበ እርኣያ ካሳ
ዓመ 2024

ሃሎ ኣሓዱ ብእሲ ጥቀ ባዕል ዘይነብር በኣሓቲ ሃገር። ቦቱ ዓጸድ ኣቅማሕ ዓቢይ ጎረ ቤቱ። እስመ ውእቱ ይከብር እምኵሎሙ፡ መኳንንተ ወመጋቢያነ ዛቲ ሃገር፡ እለ ይትኳነኑ ይመጽኡ ለለጊዜሁ ሃቤ ቤቱ። ብእሲቱ፡ ሶስና፡ ይእቲ ላህይት ገጻ ጥቀ ወሰናይት ራእያ። እምዝ መጺኦሙ ሕዝብ ጊዜ ቀትር ይትኳነኑ፡ ሶስና ትበውእ ወታንሶሱ ውስተ ዓጸደ ኣቅማሕ ዘምታ።

እም እሉ ዘይመጽኡ፡ ሃለዉ ክልኤተ መጋብያን መደልዋን ይለምዱ ወይጸመዱ ውስተ ቤተ ምታ። እልክቱ መጋብያን፡ ይርእይዋ ለብእሲተ እግዚኦሙ ኵሎ ኣሚረ ሶበ ትበውእ ወታንሰሱ ውስተ ገነት።

መጋብያኑ ተደሙ በስነ ሶስና ወተሃየዳ ኣዕንቲሆሙ በላህያ፣ ፈተውዋ ፈድፋደ ወፈቀዱ ይስክቡ ምስሌሃ። ባሕቱ ኢተናግሩ በበይናቲሆም ዘውስተ ልቦሙ እስመ ሓፈሩ ነጊረ ፍትወቶሙ። ኣሓቲ ዕለት፡ ተበሃሉ ኣሓዱ ለካልኡ፡ ንእቱ ቤትነ እስመ ጊዜ ምሳሕ ውእቱ ወተፋለጡ። እምበለ ይሑሩ ኣብያቲሆሙ፡ ድሓረ ሃዳጥ፡ ተሰወጡ ሃበ ገነት ወተራክቡ ሕቡረ ወተናጸሩ። ኣሜሃ ተናገሩ ዘውስተ ልቦሙ ወፍትወቶሙ፣ ወተዓደሙ ጊዜ ይክሉ ረኪቦታ ለባሕቲታ።

ኣሓቲ ጊዜ ቀትር፡ ቦአት ሶስና ከም ዘልፍ ምስለ ክልኤሆን ኣእማቲሃ በውስተ ገነት ወፈቀደት ትትሓጸብ እስመ ሓፈወት። ኣልቦ ህየ ኢመኑሂ ዘእንበለ ክልኤቱ መገብት እለ ይትሓብኡ። ሶስና፡ ትቤሎን ለኣእማቲሃ ያምጽኣ ላቲ ቅብዐ ወኣፈዋተ፡ ይመዝምዛሃ ወይሕጽባሃ ወስኣለቶን ይዕጽዋ ሆህተ ገነት። ኣእማቲሃ ገብራ በከም ኣዘዘቶን። ዓጸዋ ሆህተ ገነት ወወጽኣ እንተ መፍልስት ያምጽኣ ዘኣዘዘቶን። ኢርኣያሆም ለመገብት እለ ይትሓብኡ።

እምኣመ ወጺኦን እላንቱ ኣዋልድ፡ ተንስኡ እልክቱ መገብት ወሖሩ ሃቤ ሶስና። ዓብጥዋ ትስከብ ምስሌሆሙ። ወይቤልዋ፡ “ናሁ ዕጽው ሆህተ ገነት ወኣልቦ ዘይሬእየነ ወንፈቱ ንስክብ ምስሌኪ፡ ኦሆ በልነ። እመ ኣበይኪ ናስተዋድየኪ ከመ ረከብነ ብእሴ ምስሌኪ፡ በእንተዝ ኣዘዝኪ ይውጽኣ ኣዋልድኪ እምኔኪ ወይዕጽዋ ሆህተ።”

ለሓወት ሶስና ወትቤ ተመንደብኩ ፈድፋደ በኵለሄ። ኣሌ ልየ! እመሂ ገብርኩ ዘሰኣሉኒ እመዉት ወእመሂ ኢገብርኩ ኢይድሕን። ኢይክእል ኣምስጦ እም እዴሆሙ። ባሕቱ በትብዓተ ትቤሎሙ፡ “ይሄሰኒ መዊተ እምበለ ገቢርየ ኢርቱዕ ወእደቅ ውስተ እዴክሙ።”

ሶበ ኣሓዱ መጋቢ ወጠነ ይሓቅፍ ሓቈሃ፡ ኣውየወት ሶስና በዓቢይ ቃል፣ እልክቱ መግብትሂ ኣውየው ምስሌሃ። ሮጸ ኣሓዱ መጋቢ ወኣርሓወ ሆህተ ገነት። ሰሚዖሙ ኣውያተ በውስተ ገነት፡ ወጽኡ እለ ውስተ ቤታ ወሮጹ እንተ መፍልስት ይርእዩ ምንተ ኮነ።

ተናገሩ እልክቱ መገብት ከመ ረክብዋ ለሶስና ትሰክብ ምስለ ብእሲ ዘኢኮነ ምታ። ሶበ ሰምዑ ዘንተ፡ ሓፈሩ ኣግብርቲሃ ወኣእማቲሃ እስመ ግሙራ ኢተገብረ ዘከምዝ ነገር በላዕለ ሶስና።

በሳኒታ ኣንገለገሉ ሕዝብ ይኰንኑ በዘኮነ። ለኣኩ ሃበ ሶስና ያምጽእዋ። ይእቲ፡ መጽአት ምስለ ኣዝማዲሃ፡ ነገዳ ወኵሉ ዘየኣምራ። መጽኡ ክልኤቱ መገብትሂ። ግቡኣን፡ ሰኣልዎሙ ለመገብት ይዜንው በዘኮነ ውስተ ገነት።

ወይቤሉ እልክቱ መገብት፡ “እንዘ ናንሰሱ ውስተ ገነት ባሕቲተነ ቦአት ይእቲ ወክልኤቶን ኣእማቲሃ። እምድሕረ ሓዳጥ፡ ኣእማቲሃ ዓጸዋ ሆህተ ገነት ወሖራ እስመ ፈነወቶን።”
“እምድሕረ ወጽኣ ኣዋልዲሃ መጽአ ሃቤሃ ኣሓዱ ወሬዛ እም ሃበ ይትሓባእ። ንሕነሰ ርኢነ ዘንተ ሮጽነ ሃቤሆሙ ወረከብናሆሙ ይሰክቡ ሕቡረ። ደንገጹ ሶበ ርኣዩነ። ውእቱ ወረዛ ተንስእ፡ ኣርሓወ ሆህተ ገነት ወጎይየ። ንሕነሰ ስኣናሁ ኣሒዞቱ ኣስመ ውእቱ ይሔይለነ፣ ኪያሃሰ ኣሓዝናሃ ወስኣልናሃ መኑ ብእሲሁ፡ ባሕቱ ኢያድዓትነ። ንሕነ ሰማዕቱ ለዝ ነገር።”

ኣመንዎሙ ግቡኣን እስመ ውእቶሙ መገብት እሙንቱ በሃበ ቤተ ምታ። ኰነንዋ ለሶስና ትሙት። ኣውየወት ሶስና በዓቢይ ቃል ወትቤ፡ “ሰማዕተ ሓሰት ርኩሳነ! ኣስተዋድዩኒ ወናሁ ኣነ እመውት እንዘ ኣልቦ ዘኣበስኩ፡ ኣሕሰሙ ላዕሌየ እሉ መገብት።” በከዩ ላቲ ኣዝማዲሃ ወሰብአ ቤታ ወኵሎ ሰብእ ዘየኣምራ።

እንዘ ይወስድዋ ይቅትልዋ፡ ኣሓዱ ወሬዛ ዘስሙ ዳኒኤል፡ ከልሐ በዓቢይ ቃል ወይቤ፡ “ንጹሕ ኣነ እም ደማ ለዛቲ ብእሲት።” ኵሉ ሕዝብ ኣንከሩ፡ ወእሉ መኳንንት ተመየጡ ሃቤሁ ወይሰኣልውዎ፡ “ምንትኑ ዝነገር ዘትብል ኣንተ፧” ቆመ ዳኒኤል በማእከሎሙ ወይቤ፡ “ኢትክህሉኑ ኣርትዓ ፍትሕ ለድኩማን፧ ከመዝኑ ኣንትሙ ዓብዳን፡ ዘእንበለ ትሕትቱ ወታጠይቁ ትኴንኑ ለዛቲ ብእሲት፧ ግብኡኬ ካዕበ ውስተ ዓውድ ንሕትቶሙ፡ እስመ ሓሰዉ ወኣስተዋደዩ እሉ መገብት።” ሶስናሂ፡ ኣመ ሰምዐት ዘንተ ነገረ፡ ሰፈወት ያድሕና እሞት።

ተሰውጡ ኵሉ ሕዝብ ውስተ ዓውድ ወይቤልዎ ለዳኒኤል፡ ነዓ ንግረነ በከመ ኣስተዋደዩ ለታ እሉ መገብት ወኣይድዓነ በከመ ንሕነሂ ኴነንነ ኢርቱዕ። ዳኒኤል ይቤሎሙ፡ ዓልልዎሙ ለልእክቱ መገብት፡ ወኣቅምዎሙ በብኣሓዱ ቅድመ ግቡኣን። ተሌለዩ መገብት ኣሓዱ እም ካልኡ፡ ወጸውዕዎ ለኣሓዱ እምኒሆሙ።

ዳኒኤል ይበሎ፡ “ኣመ ርኢካሃ ለዛቲ ብእሲት ትሰክብ ምስለ ወሬዛ፡ ንግረነ በታሕተ ኣይ ዕጽ ሃበ ሰከቡ።” ውእቱ መጋቢ ኣውስእ እንዘ ይብል በታሕተ ዕጸ ሰኪኖን። ኣግሃሱ ለዝኰ መጋቢ ወኣዘዙ ያምስጽኡ ለካልኡ። ይእዜኒ ሰኣሎ ዳኒኤል ለካልኡ እንዘ ይቤ፡ “ንግረነ ምንትኑ ዕጹ በሃበ ረከብኮሙ እንዘ ይሰክቡ፧” ወኣውሰአ እንዘ ይብል በታሕት ዕጸ ኮል።

ዳኒኤል ተመይጦ ሃበ ግቡኣን ይቤሎሙ፡ “ርኢክሙ፡ እልክቱ መገብት ኮኑ ስምዕ በሓሰት ዲበ ዛቲ ብእሲት ንጽህት።”
ሰሚዕም ዘንተ፡ ኣብቀው ወከልሑ ኵሉ ኣሕዛብ በዓቢይ ቃል። ግቡኣን፡ ተንስኡ ላዕለ እልክቱ ክልኤቱ መገብት፡ ስዓርዎም እም ምግብናሆሙ፣ ወኰነንዎሙ በሕጎሙ በከም ገብሩ እኩየ ዲበ ብእሲት በጕሕሉት። ኣእኰትዎ ለዳኒኤል ዘኣድሓና ለሶስና እንተ ተወከለት ቦቱ ወግቡኣን ኣድሓኑ ደመ ንጹሐ ይእተ ኣሚረ። ተመየጠ ላሕዎሆሙ ለኣበዊሃ ወሰብአ ቤታ ወኵሎ ሰብእ ዘየኣምራ ውስተ ሓሴተ ወትፍስሕት።
ተፈጸመ
--ኣርኣያ

ኣዕርክተ-ሓሰት ኣዕርክተ-ሓሰት፡ ሕደ ንድቀ-ቓላት ግእዝ-ትግርኛ፡ ዝተፈላለዩ ትርጕማትኣርኣያ ካሳ2024 መቕድም መወከሲ ሰነዳትኣብ ደረጃኡ ዝሓለወ ቋንቋ፡ ንምምዕባልን ንምዕቃብን ቋንቋ መወከሲ ዚኾኑ፡...

06/24/2024

ትግርኛ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሕ
ኣርኣያ ካሳ
እዚ ዚስዕብ፡ ብምድግጋም ዘቕርቦ ቈጨምጨም እዩ። ዕላማኡ፡ ሓበሬታ ንሓደስቲ ተኸተልቲ ጽሑፋተይ ኮይኑ፡ ንነባራት ዚኸውን እውን ሓዲሽ ሓበሬታ ዚሕውስ እዩ። መንቀሊ እዚ ሃጠው-ቀጠው Bokretsion Guelay፡ “ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ 2010 ዝጀመረ ዘተታት ምንባሩ ኣብ Arayakt.wordpress.com ገጽ ዓምዲ ጽሑፍኩም ዝሰፈረ 'ለኩም። ምዕባሊኡ ኣበይ በጽሐ፧” ዚብል ሕትቶ እዩ።

ብሓጺሩ ንምምላስ፡ ዕጫ እቶም ካብ 40ታት ጀሚሮም፡ ኣብ መራኸቢ-ብዙሕን ዋዕላታትን በብእዋኑ ዝልዓሉ ዝነበሩ ዛዕባታት ትግርኛ በጺሒዎ፡ ነበረ ኮይኑ ኣሎ። ዕማም ምምዕባል ደረጃኡ ዝሓለወ ትግርኛ፡ ብይጽንሓለይ ዝመሓለፈ ዘሎ ዕዳ እዩ። ጋዜጣ፡ ማዕከን ሓበሬታ እምበር ባይታ ምምዕባል ቋንቋ ኣይኮነን።
ብዛዕባ እተን ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ንሒዶት ዓመታት ዝተጻሕፋ፡ ኣብ “2012 – 2022፡ ዓሰርተ ዓመታት ብዘይምቍራጽ ኣብ ድህሰሳ ምምዕባል ትግርኛ” ዚብል ኣርእስቲ ሓጺር ገጋምጋም ጽሒፈለን እየ። ብድሕሪኡ (2023)፡ “ሰዋስው፡ ‘ዓው’ልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ’ ልህጃዊ እምነት የብሉን” ብዚብል ኣርእሲቲ፡ ኣብ ጸገምን ፍታሕን ምምዕባል ደረጃኡ ዚሓለወ ትግርኛ ጽሒፈ እየ። እዚ ዳሕረዋይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዚካየድ ትምህርቲ ትግርኛ እውን ዚድህስስ እዩ። ኣብኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት፡ ብዲግሪ ኮነ ብኻልእ መንገዲ ዚህባኦ ምስክረነት ብቕዓት ትግርኛ፡ ኣብ ትምህርቲ ሕጊ ጽሕፈት፡ ሰዋስው፡ ዘይምርኰስ ምዃኑ እእምት እየ፣ ይዅን እምበር ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ከም ዘለዎ ግን እጠቅስ እየ።

ደረጃኡ ዝሓለወ ቋንቋ ኪምብዕልን ኪዕቀብን፡ ብምርምርም ዚምራሕ ትካል ትምህርቲ ኪህልዉ፡ ኣቓልቦ ‘ተመራመርቲ’ ምምዕባል ትግርኛ ንምስሓብ፡ ብዝተፈላለዩ ኣርእስቲ ርእይቶ ሂበ እየ። ኣብ ኣርእስቲ ኣትኪሉ ምርምራዊ ስርሓቱ ዜቕርብ ግን ኣይረኸብኩን። ሒዶት ካብ እቶም ኣርእስቲ ቈጨምጭማት፤ “ቍውም-ነገር ገዲፍካ፡ ጓል-ነገር፡ ደርደር”፡ “ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ”፡ “ትግርኛ ንኵኹላዕ፡ ካብ ዓንኬላዊ ነግሒ ይጻእ”፡ “ተራ ተስማዕቲ” “እንክንትርጕም ከይንኣቱ ኣብ ህጉም”፡ “ኣነን ሓጺሩኒ ‘ብል፡ እሱ ተደቢሩ ይስዕስዕ” ዚብሉ ይርከብዎም።

ኣብ ዕማም ምርምር እውን፡ ሓባራዊ ርድኢት ንኽህልው፡ ተመራማሪ ዚጥቀመሎም ስነ-ቓላት፡ መግለጺ ኪህበሎም ይግባእ። ሓባራዊ ርድኢት ስነ-ቓላት እንድሕር ዘየሎ፡ ዘይምርድዳእ ዝተዋህቡ መግለጺታት ኬኸትል ይእል እዩ። ኣብ ሰዋስው ዝጥቀመሎም ስነ-ቓላት ብዝርዝር አስፊረ እየ። ኣብ’ዚ፡ ንሓበራዊ ርድኢት፡ መግለጺ ምርምርን ትምህርቲን እንሆ፤

ምርምር (research)፡ ውጹእ ቅጥዒ ዘለዎ፡ ኣርእስቱ ዝሓለወ፡ ንሕሉፍን ህልውን ኵነታት ብመጐት ብምድህሳስ ኣብ ሓደ ሓድሽ ድማዳመ ዚበጽሕ ወይ ንዝነበረ ንምርጓድ ዚቐርብ ጽሑፍ እዩ። ዝተበጽሐ ድምዳመ፡ ሓበራዊ ፍልጠት ብዘለዎም ተመራራመርቲ ይድህሰስ። ውጽኢቱ ኣብ ትምህርቲ የገልግል። በዚ ከኣ ቅድመ-ኵነት ትምህርቲ ምርምር ይኸውን።

ትምህርቲ (education/lesson/teaching): ውጽኢት ምርምር ዝኾነ፡ ብስርዓተ-ትምህርቲ ዝምራሕ፡ ብዕድመ፡ ብደረጃ፡ ብቦታ ዝድረት እዩ። ብወፈራ፡ ንዅሉ ኢልካ ዚቐርብ ሓደ ዓይነት ቅዲ-ትምህርቲ የለን።

ኣብ ውጽኢት ምርምር ዘይተምርኮሰ፡ ብክእለት-መደረ (oratory) ዚወሃብ ትምህርቲ፡ ስብከት ይኸውን። በብኣማኒኡ ክኣ ስዓብቲ ይህልውዎ፣ ኣብ “ናተይ ናታክ” ተሸሚሙ እውን ናብ ቈይቚ ኬምርሕ ይኽእል እዩ።

ምብህሃል
ውጽኢት ምርምር እተካፍለሉ ኣገባብ ወይ ምብህሃል እውን ሓባራዊ ርድኢት ኪህልው ይግባእ። ዝተፈላለዩ ምብህሃላት ኣለው። ገለ ንምጥቃስ፤
ዘተ/ምይይጥ (Discussion/dialogue/discourse)፣ ክትዕ (debating)፣ ፍኑው-ክትዕ (argument)፣ ወቐሳዊ ክትዕ (Diatribe/polemics)፣ ሰሚናር፡ ኣስተምህሮ (lecture)፣ መደረ (speech delivery)፣ ዕላል (conversation)። መግለጺ ናይ ገለ ካብ’ዚኦም እንሆ፤

(ሀ) #ዘተ፡ ብምድላው ኮነ ብፍኑው፡ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ዚካየድ ምምልላስ እዩ። ኣብ ዘተ፡ ዚሰማማዕን ዚጻራሪን ሓሳባት ይፈስሱ እዮም። ኣርእስቲ ዛዕባ ንምቕያር፡ ሓባራዊ ርድኢት ይሓትት። ኣብ መወዳእታ፡ ሓባራዊ ድምዳማ ኪርከብን ዘይክርከብን ይኽእል። ኣብ ዘተ ስዓሪን ተስዓሪን የልቦን፣ ዕላማ ዘተ ምምህሃር እዩ። ተዛተይቲ ተመጣጣኒ ፍልጠት እቲ ዛዕባ ኪህልዎም ይግባእ።
(ለ) #ክትዕ፡ ስሩዕ፡ ቅድመ-ምድላው ዘለዎ፡ ናቱ ቅጥዕታትን መንጐኛ ዘለዎ ምብህሃል እዩ። ኣብ ክትዕ፡ ክልተ ተጻይ ዛዕባታት ዚቐርብሉ እዩ። ዕላማ ክትዕ ምስዓር እዩ። ስዓሪ ብመንጐኛ ይውሰን። እዚ ኣብ መንጐ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ኣብ ኣብያተ ቤት-ፍርድን ዚኽሰት ምብህሃል እዩ።
(ሐ) ፡ ተጻይነት ክትዓትን ምክሽማሻትን ዝዓብለሎ፡ ብምረትን ብምቍንጻብን ዚቐርብ እዩ። ኣብ እምነት ዚምርኰስ ኮይኑ፡ ጭብጢን ሓቅነትን ዋጋ ዜብሎም፡ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ” ዜስምዕ ምብህሃል ይኸውን።
(መ) ፡ ቀያዲ ቅጥዒ ዘይብሉ፡ ብዘይመደብ ዚቐርብ፡ ኣብ ኣርእስቲ ዘይትክል ምብህሃል እዩ። ፍንው-ክትዕ፡ ናብ ተጻይነት፡ ህልኽ፡ ቈይቊ ዜመርሕ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ መዕለቢ ዘይበጽሕ ብምድግጋም ዚልዓል ምብህሃል እዩ።

--ኣርኣያ

፪ይ ክፋል ተውሳከ-ግሲ 07/16/2023

ተ.ግሲ ፪ይ ክፍላ

፪ይ ክፋል ተውሳከ-ግሲ ፪ይ ክፋል ተውሳከ-ግሲ፤ኣርኣያ ካሳኣብ ዝሓለፈ ፩ይ ክፋል ተውሳከ-ግሲ፡ መገልጺ ተ.ግሲን ዝርዝር ዓይነታት ተ.ግሲን ተዋሂቡ ( ኣብ’ዚ ፪ይ ክፋል ተውሳከ-ግሲ ከኣ መግለጺ ዓይነታት ተ.ግሲ ...

፩-ክፋል ተውሳከ-ግሲ – መእተዊ 07/16/2023

ተ.ግሲ ፩ይ ክፋል

፩-ክፋል ተውሳከ-ግሲ – መእተዊ ተውሳከ-ግሲኣርኣያ ካሳ ፩-ክፍል ተውሳከ-ግሲ – መእተዊ ተውሳከ-ግሲ፡ ንግሲ፡ ንቕጽል ወይ ንኻልኦት ተውሳከ-ግሲታት ይገልጽ፣ ከምኡ‘ውን ንምሉእ-ሓሳብ የዛምድ። ተውሳከ-ግሲ፡ ኣብ ም.ሓ....

ቅጽል – መበል ፲፩ ክፋል – ገላጺ ቅጽል 03/15/2023

https://wp.me/p3JCwq-SD

ቅጽል – መበል ፲፩ ክፋል – ገላጺ ቅጽል ቅጽል – መበል ፲፩ ክፋል ገላጺ ቅጽልኣርኣያ ካሳኣብ ዝሓለፈ ፲ይ-ክፋል፡  ዘይውሱን ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ መበል ፲፩ -ክፋል፡ ካብ ክፍሊታት ቅጽል፡ ገላጺ ቅጽል ይቕርብ። ገላጺ ቅ....

ቅጽል – መበል-፲ይ-ክፋል ዘይውሱን ቅጽል 03/15/2023

https://wp.me/p3JCwq-Rs

ቅጽል – መበል-፲ይ-ክፋል ዘይውሱን ቅጽል ቅጽል – መበል-፲ይ-ክፋል ዘይውሱን ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፱ይ-ክፋል፡  ኣዳራጊ ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፲ይ-ክፋል ዘይውሱን ቅጽል ይቕርብ። ዘይውሱን ቅጽል ንጹር ሓበሬታ እ.....

ቅጽል – ፱ይ-ክፋል ኣዳራጊ ቅጽል 03/15/2023

https://wp.me/p3JCwq-QJ

ቅጽል – ፱ይ-ክፋል ኣዳራጊ ቅጽል ቅጽል – ፱ይ-ክፋል ኣዳራጊ ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፰ይ-ክፋል፡  ኣመቃራሒ ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፱ይ-ክፋል ካብ ክፍሊታት ቅጽል፡ ኣዳራጊ ቅጽል ይቕርብ። ኣዳራጊ ቅጽል ንኽ.....

ቅጽል – ፰ይ-ክፋል ኣመቃራሒ ቅጽል 01/03/2023

ቅጽል - ፰ይ-ክፋል ኣመቃራሒ ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፯ይ-ክፋል፡ ሕትቶዊ ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፰ይ-ክፋል ካብ ክፍሊታት ቅጽል፡ ኣመቃራሒ ቅጽል ይቕርብ። ኣመቃራሒ ቅጽል ንብዙሕ ወይ እኩብ ነገር/ሰባት/ዅነት ብተናጽል (ነፍሲወክፍ) ዚገልጽ ቃል ኣመቃራሒ ቅጽል ይብሃል። “ነፍሲወክፍ”፡ ንኻብ ሓደ ንላዕሊ ብዝሒ ንዘለዎ ነገር በብሓደ ዚጠቅስ፡ ዜካፍል ቃል እዩ። ካብ ኵሎም ንሓደ-ሓደ፡ “በብምዓልቲ” ኣመቃራሒ ቅጽል ኣብ ም.ሓ.፡ ብነፍሲወከፍ + ስም/ስማዉ-ሓረግ/ክ.ስማዊ ጥብቆ ይቐውም።...

ቅጽል – ፰ይ-ክፋል ኣመቃራሒ ቅጽል ቅጽል – ፰ይ-ክፋል ኣመቃራሒ ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፯ይ-ክፋል፡  ሕትቶዊ  ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፰ይ-ክፋል ካብ ክፍሊታት ቅጽል፡ ኣመቃራሒ ቅጽል ይቕርብ። ኣመቃራሒ ቅጽል ...

ድርብ ኣመልከትቲ ቃላት ዚብሃሉ የለዉን 12/30/2022

“ድርብ ኣመልከትቲ ቃላት ዚብሃሉ የለዉን”ኣርኣያ ካሳ30 ታሕሳስ 2022 ዘፍጥረት ዛዕባ “ድርብ ኣመላካቲ ቃላት” ምስ ተስፋማርያም ካብ እነካይዶ ዘተ ትብገስ። ኣብ’ዚ ንነበብቲ ክሕብሮ ዝደልይ፡ ምስ ተስፋማርያም እነካይዶ ብሕታዊ ዘተ ኣብ ሰዋስው ትግርኛ ዘድሃበ እዩ። ኣብ ምምዕባል እሩምን ምዕሩይን ትግርኛ ዚነጥፍ ክኢላ እውን፡ ካብ’ቲ ን80 ዓመታት ኣብ ሓደ ዓንኬላዊ ነግሒ ዜዅድድ ዘሎ ዝርርብ ወጺኡ ንእዚ ኣብነት ብምኽታል ሰረት ኣካዳምያዊ ትካል ትግርኛ የቐምጥ። ብልጫ እዚ እነካይዶ ዘተ ኣብ እቲ ፍልልይና ዘይኮነስ ንሰዋስው ኣብ ቅድሚት ሰሪዕና ንጽሕፈት ትግርኛ ብዓይኒ ሰዋስው ምቕራብና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ’ዛ ዛዕባ እነቕርቦም ዘለና ጽሑፋት ክስትብሃለሎም ዘለዎም ስነ-ቓላት (terminologies) ሰዋስው፤ ክፍሊታት-ዝርርብ - …...

ድርብ ኣመልከትቲ ቃላት ዚብሃሉ የለዉን “ድርብ ኣመልከትቲ ቃላት ዚብሃሉ የለዉን”ኣርኣያ ካሳ30 ታሕሳስ 2022 ዘፍጥረት ዛዕባ “ድርብ ኣመላካቲ ቃላት” ምስ ተስፋማርያም ካብ እነካይዶ ዘተ ትብገስ። ኣብ’ዚ ንነበብቲ ክሕብሮ ዝ.....

ቅጽል – ፯ይ-ክፋል ሕትቶኣዊ ቅጽል 12/20/2022

ቅጽል - ፯ይ-ክፋል ሕትቶኣዊ ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፮ይ-ክፋል፡ ዓቐናዊ ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፯ይ-ክፋል ካብ ክፍሊታት ቅጽል፡ ሕትቶኣዊ ቅጽል ይቕርብ። ሕትቶኣዊ ቅጽል ንስም ዚገልጽ ሕትቶኣዊ ቃል፡ ሕትቶኣዊ ቅጽል ይብሃል። እቲ ሕትቶኣዊ ቃልን ዚግለጽ ስምን ብሓባር ኣብ’ቲ ሕትቶኣዊ ም.ሓ. ይርከቡ። እቶም ስማት ብዓልቤት ወይ ተቐባሊ እቲ ሕትቶኣዊ ም.ሓ. እዮም። ኣብ ክፍሊ ዝርርብ ክ.ስም፡ ኣብ ትሕቲ “ሕትቶኣዊ ክ.ስም” ዚተዋህበ መዘክር (...

ቅጽል – ፯ይ-ክፋል ሕትቶኣዊ ቅጽል ቅጽል – ፯ይ-ክፋል ሕትቶኣዊ ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፮ይ-ክፋል፡  ዓቐናዊ  ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፯ይ-ክፋል ካብ ክፍሊታት ቅጽል፡ ሕትቶኣዊ ቅጽል ይቕርብ። ሕትቶኣዊ ቅጽል ...

ቅጽል – ፮ይ-ክፋል ዓቐናዊ ቅጽል 12/02/2022

ቅጽል - ፮ይ-ክፋል ዓቐናዊ ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፭ይ-ክፋል፡ ዋንነታዊ ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፮ይ-ክፋል ካብ ክፍሊታት ቅጽል፡ ዓቐናዊ ቅጽል ይቕርብ። ዓቐናዊ ቅጽል ዓቐናዊ ቅጽል ዚብሃል ንብዝሒ ናይ ሓደ ነገር፡ ንስም ወይ ንክ.ስም ብፍቕዲ ወይ ብደረጃ ዜመልክት ወይ ዚገልጽ ክፍሊ ቅጽል እዩ። መጠናዊ ቅጽል እውን ይብሃል እዩ። ዓቐናዊ ቅጽል፡ ክንደይ ወይ መበል ክንደይ ንዝብል ሕትቶ ይምልስ። መዘክር፡ ንብዝሒ ዚገልጹ ግሲ ዚምንጮም፡ ብዙሓት ቃላት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ዓቀነ፡ መጠነ፡ ለክዐ፡ ሰፈረ። ካብ’ዚኣቶም፡ “ዓቀነ” ዚሰፍሐ ትርጕም ይሓቍፍ። በዚ ከኣ “ዓቐናዊ” ከም ስነ-ቓል ተመሪጹ ኣሎ። ስነ-ቓል ንሓደ ኣምር ዚውክል ኮይኑ ግድን መዝገበ-ቓላዊ ትርጕሙ ዜንጸባርቕ ኪኸውን የብሉን። ንኣብነት፡ መግለጺ ስነ-ቓል “ሰዋስው”ን መዝገገ-ቓላዊ ትርጕም “ሰዋስው”ን ንሕደ ነገር ኣይውክሉን፡ ኣይገልጹን እዮም።...

ቅጽል – ፮ይ-ክፋል ዓቐናዊ ቅጽል ቅጽል – ፮ይ-ክፋል ዓቐናዊ ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፭ይ-ክፋል፡  ዋንነታዊ ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፮ይ-ክፋል ካብ ክፍሊታት ቅጽል፡ ዓቐናዊ ቅጽል ይቕርብ። ዓቐናዊ ቅጽል ዓቐ.....

ድርብ ኣመልከትቲ ቃላት 11/11/2022

ድርብ ኣመልከትቲ ቃላትተስፋማርያም ቦዅረጽዮን መርኢድ፡ ሕ. መ. ኣ. ኣርኣያ ኣብ እቲ ተኪአን ኣማኑኤልን ብዛዕባ "ድርብ ኣመልከቲ ቕጽል/ድርብ መመልክቲ" ዚብሃል ክፍሊ ቅጽል ዘቕረብዎም መግለጺታት ተምርዂሱ፡ "'ድርብ/ንጽል ቅጽል' ዚብል ኣሎዶ እዩ፧" ኢሉ ሓቲቱ ኣሎ። ነታ ሕትቶ ቀጥታዊ መልሲ ከይሃበ፡ እዞም 'ድርብ ቅጽል' ዚብሃሉ፡ “ንምጥዕዓም ዘረባ እንተዘይኮይኑ ኣብ’ቲ ም.ሓ. ኣድላዪ ኣይኮነን“ ይብል (ኣርእያ ካሳ፡ 12 ጥቅምቲ 2022)። ኣብ'ቲ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ'ዚ ዝገበርክዎ ዳህሳስ፡ "ድርብ ኣመልከትቲ ቃላት" ድኣ እምበር፡ "ድርብ/ንጽል ቅጽል" ዚብሃል ከም ዘየሎ ብቑዕ መረድኢ ረኺበ ኣለኹ። ይዅን እምበር፡ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ'ዚ ዘሎኒ ርድኢት ቅድሚ ምቕራበይ፡ እቶም ኣርኣያ ረቝሕዎም ዘለዉ ሰለስተ ደረስቲ ሰዋስው፡ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ'ዚ ዝሃብዎም ስነ-ቃላትን መግለጺታትን ኣቐዲመ ከቕርብ እደልይ።...

ድርብ ኣመልከትቲ ቃላት ድርብ ኣመልከትቲ ቃላትተስፋማርያም ቦዅረጽዮን መርኢድ፡ ሕ. መ. ኣ. ኣርኣያ ኣብ እቲ ተኪአን ኣማኑኤልን ብዛዕባ “ድርብ ኣመልከቲ ቕጽል/ድርብ መመልክቲ” ዚብሃል ክፍሊ ቅጽል  ዘቕረብዎ...

Want your school to be the top-listed School/college in Calgary?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Address

Calgary, AB